ማእኸል ቤት ህንፀትመቐለ

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

መቐለ ቤት ህንፀት ንሕጊ ተሃነፅቲ ንሓደ ዓመት ን2019 ዓ/ም ምስ ክምግብ ዝኸእል ሕጋዊ ነጋዳይ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ዉዕሊ ክኣስር ይደሊ

ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግባእ

1/ አብዚ ጨረታ ዝወዳደሩ ተወዳደርቲ | ብናይ ሆቴል ወይ ቤት ቁርሲ ናይ 2018ዓ/ም ዝተሓደሰ / ስራሕ ፍቓድን መቅረባይነትን ከምኡ ድማ ናይ ሻት ዝተመዝገበሉን ናይ ወርሒ ማዝያ ወይ ናይዚ ቀረባ ናይ 3ተ ወርሒ 2018 ዓ/ም ድክሌር ዝገበረሉን ናይ ግብሪ መክፈሊ ቲን መፍለዪ ቁፅሪ ዘለዎን ነንሕድሕዱ ኮፒ ገይሮም ከቕርቡ ኣለዎም

2/ ተጫረቲ ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ምስ መምርሒ ተጫረቲ ዝገልፅ 24/09/2018ዓ/ም ሰዓት 3.00 ዘይምለስ 100ብር እናኸፈሉ ካብ ቢሮ ቁፅሪ 6ተ ክወስዱ ይኽእሉ እቲ ጨረታ ዕለት ካብ ዕለት 07/09/2018ዓ/ምዓ/ም ክሳብ 24/09/2018ዓ/ም ሳዓት 3.30 ተዓፅዩ ሳዓት 4.00 ቅድሚ ሰዓት ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላት ኣብ ዝተረኸብሉ ይኹን ኣብ ዘይተረኸብሉ ይኽፈት።

3/ ተወዳደርቲ ዝመልእዎ ዋጋ ምስ ሻቱ ተመሊኡ ስልዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይ ተጫረቲ ንፁር ኣድራሻ ብምጥቃስ ማህተምን ፌርማን ብምግባር ኣብቲ ናይ ቤት ፅሕፈት ሰነድ ጨረታ ዋጋ መምልኢ ጥራሕ ተመሊኡ ብፖስጣ ብምዕሻግ ነዚ ጨረታ እዚ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳፁን ኣብ ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋ/ን/ም/ን ቢሮ ቁፅሪ 6 ከእትዉ ይኽእሉ 4/ተጫረቲ ጨረታቅድሚ ምኽፋቱ መኽበሪ ጨረታ 50000ብር/ሓምሳ ሽሕ /ብር ብሕጋዊ ባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ወይ ጥረ ገንዘብ ብሹም ቤትህንፀት መቐለ ከትሕዙ ኣለዎም

5/ ጨረታ ሰዓራይ ሰዓራይነቱ ካብ ዝተገለፀሉ መዓልቲ ድሕሪ 3ተ ናይ ጥርዓን መዓልቲ ኣብ ዉሽጢ 3ተ መዓልቲ መፂኡ ውዕል ካስር አለዎ በቲ ዝተጠቐሰ መዓልቲ ዉዕል እንተዘይኣሲሩ ዘትሓዞ መኽበሪ ጨረታ ናብናይ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ተገይሩ እቲ ቢሮ ከሊእ መማረፂ ይወስድ

6/ ተጫረቲ ኣብዚ ዝኾነ ሓሳብ እንተሃሊዎም ኣቐዲሞም ቅድሚ ናይ ሳንዱቕ ጨረታ ምዕሻጉ ብፅሑፍ ጥራሕ ክሓቱ ይኽእሉ እዮም ድሕሪ ናይ ጨረታ ሳፁን ምዕፃዉ ዝመፅእ ፖስታ ይኹን ሓሳብ ግን ተቕባልነት የብሉን

7/ ሰዓሪ ዝኾነ ተወዳዳሪ ካብ ጠቕላላ ናይ ወርሒ ዝኸፈሎ ብር 10%መኽበሪ ዉዕሊ ዘትሕዝ ኮይኑ ንዘቕርቦ ግልጋሎት ምግቢ ዝኸፈሎ ገንዘብ ልዕሊ 20.000ብር እንተኾይኑ 3%ዊዝ ሆልድ ታክሲ ይኸፍል

8/ ናይዚ ጨረታ ኣሸናፊ ዝኾነ ተወዳዳሪ ዉዕሊ ምስኣሰረ ካብ ዕለት 1/11/2018 ዓ/ም ጀሚሩ ስሩዕ ምግቢ ይጅምር ናይ መብራህትን ማይን ክፍሊት ዝምልከት ብመስራቤት ዝሽፈን ኮይኑ ይኩን እምበር መብራህቲ እንትጠፍእ ዕንፀይቲ ገዚኡ ብባህላዊ መጎጎ ወይ ብናይ ምሳሕን ድራርን ግራም መሰረት ባኒገዚኡ ወይ ነዳዲ ናይ ጀነሬተር ባዕሉ መሊኡ ብሰዓቱ ክምግብ ዝክእል ምዃኑ ክፍለጥ ኣለዎ

9/ ሒሳብ ኣካፋፍላ ዝምልከት አብ መጨረሻ ወርሒ ኮይኑ ከከም አድላይነቱ በቢክልተ ሰሙን ሒሳብ ምክፍል ይካኣል

10/ ሰዓሪ ትካል ኣብ ሚዛን ዝጎደለን ምግቢ ዘይመገበሉ ዝተረፈ መዓልትን ( እንተጋጢሙ ተፀብፂቡ ካብ ዝኸፈሎ ብር ዝቕነስ ምኻኑ ክፍለጥ ኣለዎ

11/ መስራቤትና ዘሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

12/ ንተወሳኺ ሓቤሬታ ብኣካል ወይ ብስልኪ ቁፅሪ 0914120805/0975452063 ምሕታት ይከኣል

ቤትህንፀት መቐለ