ኣብቲ ወረዳ ንዝርከባ ዝተፈላለያ ሴክተራት ግልጋሎት ዝዉዕል ዝተፈላለዩ ኣቁሑት ንምዕዳግን ንምፅጋንን መለዋወጢ ኣቁሑት መካይንን ሞተር ሳይክልን ናይ ስፖርት ዕጥቅን ኣቁሑት ኤለክትሮኒክስ ፅገና ስራሕቲ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግን ከፀግንን ስለዝደለዩ ነዞም ዝተገለፁ ዓየነት ዕድጊት ፅገናን ንናይባዕሎም ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም መቅረብቲ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድኩም ናይ 2007ን 2008ን ዓመት ዝኮነ
ዝተሓደሰ ካርዲ መቅረባይነተ ዘለኩም ከምኡዉን ቲን ነምበር መቅረብቲ ዝተዘርዘሩ መዐቀንታት እተማልኡ ክትወዳደሩ ይዕድም
ናይ ቫት ዲክላረሽን በቢወርሑ ኣታዊ ዝገበሩ ክሳብ 30 ነሓሰ 2007 ዓም ኣታዊ ዝገበርኩምሉ መረዳእታ ኣተሓሒዝኩም ክተቅርቡ ይግባእ
ጨረታ ዝፀንሐሉ እዋን ካብ 4 ጥቅምቲ 2008 ዓም ክሳብ 23 ጥቅምቲ 2008 ዓም ሰዓት 4 ፡00 ናይ ንጉሆ ኣብ ዘሎ መዓልቲ ብዝተዓሸገ ፖስታ ዋናን ቅዳሕን ንንበይኑ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖስታ ተዓሺጉ ኣብ ቤት ትልምን ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ዝርከብ ሳፁን ክተእትዉ ትክእሉ
ጨረታ ዝክፈተሉ 23 ጥቅምቲ 2008 ዓም ሰዓት 4 ፡30 ናይ ንጉሆ ኮይኑ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት
መክበሪ ጨረታ መሸጢ ሰነድን ኣብ ዝተዳለወ ዝርዝር ሰነድ ስፐስፊኬሽን ተቀሚጡ ይርከብ
ሰዓርቲ ጨረታ ብናይ ባዕሎም መጋዕዝያ መፅዐንን መራገፍን ወፃኢ ሸፊኖም ናብ ቤት ፅሕፈት ከተማ ኣብ ዉሽጢ 8 መዓልቲ ከረክቡ ክክእሉ ኣለዎም
ንናይ ኤለክትሮኒክስ ፅገና ኣብ ዉሽጢ 20 መዓልቲ ኣብ ወረዳና መፂእኩም ክትፅግኑ ይግባእ
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ናዕዴር ዓዴት በቲ ዝቀረበ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይንድማ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::
ንተወሳኪ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0345570156 ወይንድማ 0345570157 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል
Backs