ንካልኣይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ ደደቢት ትካል ልቃሕን ዕቋርን ኣክስዩን ማሕበር ኣብ ከተማ ፋፂ፣ እንትጮ፣ ራማ፣ ዕዳጋ ዓርቢ፣ ዝርከቡ በዓል ሓደ ደብሪ፣ መንበሪ ሙሉእ ፅገና ንምግባር ስለዝደለየ ኣብዚ ሰራሕ ንምስታፍ እትደልዩ BC/GC 6 ልዕሊኡን ዘለኩም ናይ ህንፃ ኮንስትራክሽን ተኮናተርቲ ክትጫረቱ ንዕድም፡፡
  • Posted Date: ረቡዕ ጉንበት 7, 2011 (over 5 years ago)
  • Closing Date: ሰሉስ ጉንበት 13, 2011 03:00 Morning (closed)
  • Bid Bond:80000.00
  • location: መቐለ
  • Bid Document Price:500.00
  • Bid Opening Date: ሰሉስ ጉንበት 13, 2011 03:30 Morning
  • House & Building Construction/
  • Print
  • Pdf

1 ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ፣ ምስክር ወረቀት፣ ንግዲ ምዝገባ ምስክርነት፣ ግብሪ ክፍሊት ምዝገባ ሰርቲፊኬት፣ ናይ ቫት ምዝገባ ምስክር ወረቀትን ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ቫት ዲክላሬሽን ዝገልፅ መረዳእታ ክተቅርቡ ትኽእሉ ፤ ናይ ኮንስትራክሽን /ተኮናታራይነት ምዝገባ ካርድን ከቅርብ ዝክእል፤

2 ናይ ጨረታ ውሕስና ካብ ዝተፈለጡ ባንክታት ዝወሃብ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ውሕስና/Unconditional guarantee bond validity date 90 calendar days/ ወይ ሕጋውነቱ ዝተረጋገፀ CPO ብር 80000.0 ጥራሕ ከትሕዝ ዝክእል፤

3 ተጫረቲ ናይቲ ዝጫረትሉ ህንፃ ፐሮጀክት ስራሕቲ ሳይት ካብ ዝተረከብሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 210 መዓልታት ሙሉእ ብሙሉእ ዛዚሞም ከረክቡ ኣለዎም፡ 

4 ኩሎም ተጫረቲ ጨረታ ሰነድ ካብ 05/09/2011 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 13/09/2011ዓ/ም ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ደደቢት ማ/ፋይናንስ 4ይ (ራብዓይ) ደብሪ ቁፅሪ ቢሮ 409 ብብር 500.00 (ሓሙሽተ ሚኢቲ ብር) ኣብ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ትኽእሉ፤

5 ተጫረቲ ናይ ኩሎም ጨረታ ሰነድ ንምዕዳግ ዝክእሉ ኮይኖም ክጫረቱ ዝክእሉ ግን ኣብ ሓደ ሰነድ ጥራሕ እዩ፡፡ ካብ ሓደ ንላዕሊ ዝተጫረተ ካብ ጨረታ ወፃኢ ይከውን፡፡

6 ተጫረቲ ኣብ ናይ ጨረታ ሰነድ ዘቀርቡ ቅጥዕታት ብትክክል መሊኦም ኣብ ሕድሕድ ገፅ እቲ ደክመንት ፈሪሞምን ከምቲ ክሽየጥ ተሎ ዝነበረ ከየጓደሉ ከቅርቡ ኣለዎም፡፡ ዝተጓደለ ብትክክል ዘይተመልአን ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ጨረታ ወፃኢ ይከውን፡፡

7 ተጫረቲ ናይ ዝጫረትሉ ባንኮኒ ፋይናንሻል፣ ሓደ ኦርጂናልን ክልተ ቅዳሕን ናይ ጨረታ ውሕስና ሰነድ ሲፒኦ አብ ዝ/የ ፖስታታት ተዓሺጎም ኩሎም ፖስታታት ድማ ኣብ ካሊእ ዓብይ ፖስታ መሊሶም ብምዕሻግ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ 4ይ ደብሪ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ኣታዊ ይከውን፡፡

8 ተጫረቲ ቅድሚ ሐዚ ኣብ ናይ ደደቢት ማ/ፋይናንስ ውዕሊ ኣሲሮም ዘቋረፁ ወይ በቲ ዝድለ መዓልቲ ዘይወድኡን ግዚያዊ ርክክብ ዘይገበሩን ኮንትራክተራት ከጫረቱ ኣይክእሉን፡፡ እንተተጫሪቶም እውን ካብቲ ጨረታ ክስረዝ ይግበር፡፡

9 እቲ ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 13/09/2011 ዓ/ም ንጉሆ ሰዓት 3:00 ተዓሺጉ ሰዓት 3፡30 አብ ደደቢት ትካል ዋና ቢሮ ተጫረቲ ብአካል ወይ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዝተረኽቡሉ ይኸዉን::

10 እቲ ትካል ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብከፋል ወይድማ ብሙሉአ ናይ ምስራዝ መብቱ ዝተሐለወ እዩ

11 ተወሳኪ ሓበሬታ እንተደሊኩም ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ማፋይናንስ ዝርክብ ቢሮ ቁፅሪ 11 ብምቅራብ ወይ ድማ ብስልኪ ቁፅሪ 0342-400014 ብምድዋል ምርካብ ይከኣል እዩ

Backs
Tender Category