ንቢሩኡ ግልጋሎት ዝዉዕሉ ናዉቲ ሕተመት ፣ግልጋሎት ቅዳሕ ማለት እዉን ፎቶ ኮፒ ፣ተዛመድቲ አቁሑት ኮምፒተርን ኤለክትሮኒክስ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ንክትወዳደሩ ይዕድም
ተጫረቲ ክተማልእዎም ዝግብኡ ረቋሕታት
- ናይዚ ዘበን ግብሪ መንግስቲ ዝከፈልኩምን ፍቃድ ንግዲ ዘሐደስኩምን
- መለለዩ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ዝከፈልኩምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ
- ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ምዝጉባትን ሒሳብ ዝከፈልኩምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ
- ብመቅረባይነት ዝተመዝገብኩምን መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉን
- መክበሪ ጨረታ ናይ ስራሕቲ ሕትመት 15 ,000 ቅርሺ ብሲፒኦ ክተትሕዙ እትክእሉ
- ንግልጋሎት ቅዳሕ ወይድማ ፎቶኮፒ ፣ተዛመድቲ ኣቁሑት ኮምፒተርን ኤለክትሮኒክስን 3,000 ቅርሺብሲፒኦ ክተትሕዙ እትክእሉ
- ሰነድ ጨረታ ብሽምዒ ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ሓደ ዋንኡ ሓደ ቅድሑነቲ ጨረታ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ኣብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ክፍሊ ቁፅሪ 3 ኣብ ስራሕ ሰዓት ምእታዉ ትክእሉ
- እቲ ጨረታ ካብ 16 መስከረም 2008 ዓ ም ጀሚሩ ን 15 መዓልቲ ኣብ ኣየር ዝፀንሕ እንትከዉን 12 ጥቅምቲ 2008 ዓ ም ሰዓት 3 ፡30 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ በዚ ዕለት ሰዓት 4 ፡00 ቅድሚ ቀትሪ ይክፈት
- ሰዓራይ ተጫራቲ በቲ ዝተዉሃቦ ረቋሒ መሰረት ዘቅርብን መወዳደሪ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ታክስ ሓዊሱ ከቅርብ ይግበእ ኣብ መወዳደሪ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ከይሓወሰ ዘቅርብ ተጫራታይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ከምዝሓወሰሉ ይዉሰድ
- ተጫራታይ ብረቋሒ መሰረት ጥራሕ ከቅርብ ዝክእል ኮይኑ ሰዓራይ ትካል ብናይ ባዕሉ መጋዕዝያ ናብ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ኣታዊ ይገብር
- ሰዓራይ ዉዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ግዘ ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 15 መዓልቲ ኣታዊ ይገብርን ዉሕስና ዘድልዮም ኣቁሑት ድማ ዉሕስና ከቅርብ ዝክእልን ኮይኑ ንስራሕቲ ሕትመት ኣብ 45 መዓልቲ ሰሪሑ ከቅርብ ዝክእል
- ነዚ ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ሰነድ ካብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ክፍሊ ቁፅሪ 3 ዘይምለስ 30 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይክእል
- እቲ ቢሮ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
- ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344400451 ወይንከዓ 0348409782 ደዊልከካ ምሕታት ይከኣል።
Backs