1 ተጫረቲ ውሽጢ ዓዲ በበዚ ዘፈሩ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ፤
2 ኣብ ዝርዝር መቅረብቲ ዝተመዝገብኩምን መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ዘለዎ ዋና ምስ ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል፤
3 ተጫረቲ ውሽጢ ዓዲ ናይ 2010 ዓ/ም ግብሪ ዝከፈልሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ፤
4 ተጫረቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ምዝጉባትን ናይ ወርሒ ለካቲት 2011 ዓ/ም ሒሳብ ዘፍለጡን መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእል፤
5 መከበሪ ጨረታ ንሕድሕድ 4000.00 ቅርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ብስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል፤
6 መጋዓዓዚ መፅዓንን መራገፍን ክሳብ ጣብያ ብናይ ባዕሎም ወፃኢ ክሽፍኑ ዝክእሉ፤
7 ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ 30 መዓልቲ ይከዉን።
8 ሰዓራይ ኮይኑ ዘቅረቦ ዝሰዓሮ ብዝምልከቶ በዓል ሞያ ምስተረጋገፀ ርኽክብ ይፍፀም።
9 ሰነድ ጨረታ ዘይምለሰ 50.00 ቅርሺ እንዳከፈልኩም ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት 19/07/2011ዓ/ም ጀሚሩ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ዓድዋ ቢሮ ቁፅሪ 7 በምዉሳድ ትክእሉ።
10 ንመሳርሒ ፅሕፈት ዕለት 10/08/2011 ሰዓት 3:15 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 3:30 ንጉሆ ይክፈት።
11 ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑ ፅሬትን 10/08/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:15 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 8:30 ይክፈት።
12 ናይ መለዋወጢ ኣቀሑት ሞተር ሳይክልን ሕትመትን 10/08/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:15 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 10:30 ይክፈት።
13 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ።
ንተወሳኪ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0347-712321 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።
Backs