https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/6777
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ዓድዋ ንቤት ፅሕፈት ወረዳ ዓድዋ ኣገልግሎት ዝውዕሉ መሳርሒ ፅሕፈት፣ ኣቅሑ ፅሬት፣ ኤሌክትሮኒክስ፣ መለዋወጢ ኣቀሑት ሞተር ሳይክልን ሕትመትን ዝኣመሰሉ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግን ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ መጋቢት 19, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ሚያዝያ 10, 2011 03:15 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:4000.00
  • ቦታ:ዓድዋ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ ሚያዝያ 10, 2011 03:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ኤሌክትሮ-መካኒክስ ኣቁሑትን ግልጋሎትን/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ናይ ሕትመት ስራሕቲ/

1 ተጫረቲ ውሽጢ ዓዲ በበዚ ዘፈሩ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ፤

2 ኣብ ዝርዝር መቅረብቲ ዝተመዝገብኩምን መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ዘለዎ ዋና ምስ ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል፤

3 ተጫረቲ ውሽጢ ዓዲ ናይ 2010 ዓ/ም ግብሪ ዝከፈልሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ፤

4 ተጫረቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ምዝጉባትን ናይ ወርሒ ለካቲት 2011 ዓ/ም ሒሳብ ዘፍለጡን መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእል፤

5 መከበሪ ጨረታ ንሕድሕድ 4000.00 ቅርሺ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ብስፒኦ ከትሕዝ ዝክእል፤

6 መጋዓዓዚ መፅዓንን መራገፍን ክሳብ ጣብያ ብናይ ባዕሎም ወፃኢ ክሽፍኑ ዝክእሉ፤

7 ጨረታ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ 30 መዓልቲ ይከዉን።

8 ሰዓራይ ኮይኑ ዘቅረቦ ዝሰዓሮ ብዝምልከቶ በዓል ሞያ ምስተረጋገፀ ርኽክብ ይፍፀም።

9 ሰነድ ጨረታ ዘይምለሰ 50.00 ቅርሺ እንዳከፈልኩም ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት 19/07/2011ዓ/ም ጀሚሩ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ዓድዋ ቢሮ ቁፅሪ 7 በምዉሳድ ትክእሉ።

10 ንመሳርሒ ፅሕፈት ዕለት 10/08/2011 ሰዓት 3:15 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 3:30 ንጉሆ ይክፈት።

11 ናይ ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑ ፅሬትን 10/08/2011 ዓ/ም ሰዓት 8:15 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 8:30  ይክፈት።

12 ናይ መለዋወጢ ኣቀሑት ሞተር ሳይክልን ሕትመትን 10/08/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:15 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 10:30  ይክፈት።

13 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ።

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0347-712321 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።