ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግባእ ረቋሒ ታት
- ናይዚ ዘበን ግብሪ መንግስቲ ዝከፈልኩም
- ፍቃድ ንግዲ ዘሐደስኩምን
- መለለዩ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ መረዳእታ ክተቅርቡ ትክእሉ
- ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩምን ናይ ወርሒ ነሓሰ 2008 ዓም ሒሳብ ዘፍለጥኩምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉን
- መቅረባይነት ዝተመዝገበኩምን መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉን
- መክበሪ ጨረታ ንስራሕቲ ሕትመት 10,000 ቅርሺ ብሲፒኦ Â ክተትሕዙ እትክእሉ ንስርሕቲ ፍላት ሞልድ 5000 ቅርሺ ከትሕዝ ዝክእል
- ሰነድ ጨረታ ብሽምዒ ብዝተዓሸገ ፖስታÂ ሓደ ዋናን ሓደ ቅዳሕን ንዚ ጨረታ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ኣብ ደጋፊ ከይዲ ስረሕ ዕደጋÂ ቁፅሪ ቢሮ 42 አብ ናይ ስራሕ ሰዓት ምእታዉ ትክእሉ
- እቲ ጨረታ ካብ 26 መስከረም 2009 ዓም ጀሚሩÂ ን 15ተ መዓልቲ አብ ኣየር ዝፀንሕ እንትከዉን ጥቅምቲ 10Â 2009 ዓም ሰዓት 3፡ 30 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4 ፡00 ቅድሚ ቀትሪ ይክፈት
- ጨረታ ዝሰዓረ ትካል ብዝተዉሃቦ መዐቀኒ ረቋሒ መሰረት ዘቅርብን መወዳደሪ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ታክስ ሓዊሱ ከቅርብ ይግባእ
- ኣብ መወዳደሪ ዋጋ ተወሳኪ እሴት ታክስ ከይሓወሰ ዘቅርብ ተጫራታይÂ ተወሳኪ እሴት ታክስ ከምዝሓወሰሉ ይዉሰዱ
- ተጫራታይ ብመዐቀኒ ረቋሒ መሰረት ጥራሕ ከቅርብ ዝክእል ኮይኑ መቅረባይ ትካል ብናይ ባዕሉ መጋዕዝያ ናብ ቢሮ ሓለወ ጥዕና ክልል ትግራይ ኣታዊ ይገብር
- ሰዓራይ ትካል ዉዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 30 መዓልቲ ኣታዊ ዝገብርን ዉሕስና ንዘድልዮም ኣቁሑት ድማ ዉሕስና ከቅርብ ዝክእል ኮይኑ ንፍላት ሞድ ድማ ኣብ 60 መዓልቲ ኣታዊ ይገብር
- ነዚ ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ቁፅሪ ቢሮ 42 ንነፍስወከፍ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ትክእሉ
- ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ኣብ ነፍስወከፍ ንብረት 20 ሚኢታዊ ክዉስክን ክንክን ይክእል እዩ
- ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ዝሓሸ ኣመራፂÂ እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ
ንተወሳኪ ሓበሬታÂ ብቁፅሪ ስልኪ 0344404715 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል
Â
Backs