መድሓኒትን ናዉቲ ሕክምናን :መሳርሒ ፅሕፈት ፣መሳርሒ ፅሬት: ናይ ኤለክትሪክ አቁሑት ፣ ናይ ኤለክትሮኒክስ አቁሑት ፡ናይ ጀነሬተር አቁሑት ፡ናይ መኪና መለዋወጢ አቁሑት ፡አቁሑት ባትርን ጎማን: መሳርሒ ህንፃ: አቁሑት ገዛ: ደንቢ ልብስን :ናይ መኪና ሰርቪስ ናይ ኢድ ዋጋ
 ኣብዚ ጨረታ ንክትወዳደሩ እትደልዩ ነጋዶ እዞም ስዒቦም ዝተገለፁ ረቋሕታት ክተማልኡ ይሓትት
- በቲ ዘርፊ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ከቅርቡ ዝክእሉ
- ቲን ነምበር ዘለኩም
- ናይ መንግስታዊ ጨረታ ክትሳተፉ ዝተወሃበኩም ፍቃድ ክተቅርቡ እትክእሉ
- ናይ ንግዲ ምስክር ወረቀት ክተቅርቡ ኣለኩም
- ቫት ወይድማ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩምን ናይ ወርሒ መስከረም ሒሳብ ዘፍለጥኩምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ
- እቶም ዝተዘርዘሩ ረቋሕታት ብዋናን ዘይምለስ ቅዳሕን ክተቅርቡ እትክእሉ
- መክበሪ ጨረታ ብሲፒኦ ወይድማ ብጥረ ገንዘብ
ን ፅሬት መሳርሒ ፣ንፅሕፈት መሳርሒ፣ንኤለክትሪክ መሳርሒ፣ናይ ህንፃ መሳርሒ ፣ናይ ኤለክትሮኒክስ አቁሑት ፣መለዋወጢ አቁሑት ጀነሬተር፣ መለዋወጢ አቁሑት መኪና ፣ንአቁሑት ገዛ፣ ደንቢ ልብስን Â ንሕድሕዶም 3000 ቅርሺ ፣
ንናዉቲ ሕክምና መድሓኒት 7000 ቅርሺ ክተቅርቡ እትክእሉ
- መቅረብቲ መድሓኒት ዝኮንኩም ዝተሓደሰ ናይ ሞያ ፍቃድ ክተቅርቡ ይግባእ
- ካብ ዘሸነፍዎ ጠቅላላ ዋጋ ዉዕሊ መክበሪ ብሲፒኦ ወይድማ ብጥረ ገንዘብ 10 ሚኢታዊ ክተቅርቡ ይግባእ
- ሰነድ ዝሽየጠሉ ቦታ ኣብ ክልል ትግራይ ቢሮ ጥዕና ኮይኑ ናይ ሓደ ሰነድ ዋጋ 30 ቅርሺ ብምክፋል ክትገዝኡ ትክእሉ
- ጨረታ ክፍቲ ኮይኑ ኣብ ኣየር ዝፀንሐሉ ድማ ካብ ዕለት 11/ 01 /2009 ዓም ክሳብ 26/ 01 /2009 ዓም ሰዓት 5፡00 ቅድሚ ሰዓት ጨረታ ሰነደ ምግዛእ ይከኣል
- ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 26/ 01/ 2009 ዓም ሰዓት 5፡00 ቅድሚ ቀትሪ ኮይኑ ጨረታ ዝክፈተሉ በቲ ዕለት ሰዓት 5፡30 ቅድሚ ቀትሪ ይከዉን
- አሸናፊ ዝኮነ ዘሸነፎም ዝርዝር ንብረታት አብ ዉሽጢ 10 ናይ ስራሕ መዓልቲ ንዕደጋን ፋርማስን ኣብ መቀለ ዘረክብ
- እቲ ሆስፒታል ካብ ዘጫረቶም ጠቅላላ ዋጋ 20 ሚኢታዊ ክዉስክ ወይድማ ክቅንስ ይግባእ
- ዝወሰዶ ሰነድ ጨረታ ዝተዓሸገ ኮይኑ ሽምን ፊርማን ገይሩ ዘቅርብ
- ሰዓራይ ዝኮነ ድሕሪ ጥርዓን መቀበሊ ኣብ ናይ ስራሕ መዓልትታት ማለት እዉን ኣብ ዉሽጢ 3 ናይ ስራሕ መዓልትታት ዉዕሊ ክኣስር ይግባእ
- መጫረቲ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ 30 መዓልቲ ይከዉን
ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0914387011 ወይዉን 0348990069 ደዊልኩም ምሕታት ትክእሉ
Backs