ንኻልኣይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ ንወሃብቲ ግልጋሎት ምኸርን ጥብቅናን ሕጊ
ኣብ ትሕቲ ስራሕ ኣማራርሓ ቦርድ ማሕበር ጉድኣት ኲናት ትግራይ ክልተ ዘፈራት ማለት ዘፈር ምግባረ ሰናይን ዘፈር ንግድን ዘለዎ ኮይኑ ንኹሎም ኣካላት እቲ ማሕበርን ትካላቱን ናይ ሕጊ በዓል ሞያ ብኩንትራት ቆፂሩ ምኽርን ጥብቅናን ኣገልግሎት ክረክብ ይደሊ፡፡ስለዚ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቑሓታት እተማልኡ ኣ ወሃብቲ ምኽርን ጥብቅናን ሕጊ መረዳእታ ትምህርትን ልምዲ ስራሕን ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ኦርጂናል ምስ ዘይምለስ ፎቶ ኮፒ ብምቕራብ ናይ ሓደ ወርሒ ትሓትዎ ናይ ግልጋሎት ክፍሊት ብፖስታ ብዝተኣሸገ ናብ ጨረታ ሳንዱቕ ብምእታው ክትወዳደሩ ንዕደም፡፡
1. ግልጋሎት............... ግልጋሎት ምኽርን ጥብቅናን ሕጊ
2. ልምዲ ስራሕ ድሕሪ ምርቓ ንማሰተር 10 ንቀደማይ ድግሪ 12 ዓመት ልምዲ ዘለዎም ኮይኑ ኣብ ኩሎም ብርክታት ኣብያተ ፍርዲ ናይ ጥብቅናን ምኽርን ፍቓድ ክህልዎም ይግባእ፡፡
3. ስራሕ ቦታ... መቐለ
4. ኩነታት ቁፃር..............ብኩንትራት ኮይኑ ጉዳይ እንትህሉ ተረኺቡ/ባ ግልጋሎት ዝህብ/ Freelance
5. በዝሒ .............01
6. ፆታ ... አይፈልን
7. ጨረታ መኽበሪ ብር 10,000.00 ብር ዓሰርተ ሽሕ) ብሽም ይሓ ሪል እስቴት ሓላ/ዝተ/ዉ/ ማሕበር ብባንኪ ዝተራጋገፀ መአዘዚ ክፍሊት CPO ከትሕዙ ኣለዎም
8. ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 18/11/2017 ክሳብ 28/11/2017 ዓ/ም ዘይምለስ ብር 300 እናኸፈሉ ካብ ይሓ ሪል እስቴት ሓ/ዝ/ው/ማሕበር ጨንፈር መቐለ 6 ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 8 ምውሳድ ይኸእሉ፡፡
9. ጨረታ ዝኸፈተሉ ዕለት 29/11/2017 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ተዓፅዩ ኣብ ተማሳሳሊ ዕለት ሰዓት 9:15 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት::
አድራሻና፡- መቐለ ማሕበር ጉድኣት ኲናት ትግራይ ኣብ ይሓ ሲቲ ሴንተር ህንፃ ቁፅሪ 2 6ይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 20 ከባቢ ዕዳጋ ዓዲ ሓቂ ኣብ ጎኒ ደደቢት ማይክሮ ፋይናነሰ፡፡
ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቑፅሪ 0914-707843 /0914-700869 ደዊልኩም ምሕታት ትኽእሉ::
ድሕሪት