ምልክታ ፕሮፎርማ
ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዳስትሪ ትግራይ ኣብ ታሕቲ ዝተዘርዘሩ ናይ መኪና ጎማ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡
| ተ.ቑ | ዝርዝር ኣቑሑት | ዝርዝር መግለፂ | መዐቀኒ | በዝሒ | ናይ ሓደ ዋጋ |
|---|---|---|---|---|---|
| 1 | ናይ ፔጆ ጎማ መኪና | 205/55/R16 ብሳምፕል | ቁፅሪ | 05 | |
| 2 | ናይ ኒሳን ጎማ መኪና | 245/70R16 tubeless ብሳምፕል | ቁፅሪ | 10 | |
| 3 | ኣየር ኪሊነር | ብሳምፕል | ቁፅሪ | 03 |
ስለዚ ኣብዚ ፕሮፎርማ ክትወዳደሩ እትደልዩ ክተማልእዎ ዝግባእ ፦
1. በዚ ዘርፊ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ፣ መቕረባይነት፣ ቲን ካርድን ኮፒ ኣተሓሒዙ ዘቕርብ።
2. ኣብቲ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ኣይፍቀድን።
3. ኩሉ ዓይነት ጎማ ፅሬቱ ዝሓለወ ክኸውን ኣለዎ።
4. ብናይ ባዕልኻ ስፔስፊኬሽን ቐይርካ ምቕራብ ኣይከኣልን።
5. እዚ ፕሮፎርማ ከም ዉዕሊ ኮይኑ ስለዘገልገል እቲ ንብረት ኣብ ኢዶም ምህላዉ ኣረጋጊፆም ይምልኡ።
6. ናይዚ ፕሮፎርማ ሰነድ ዝርዝር ካብ ኮ/ል/ፓ/ኢ/ ትግራይ ጥቓ ዋና ቢሮ ደደቢት ማክሮ ፋይናንስ ፊት ንፊት ወይ ጎኒ ወይዘር ህንፃ 2 ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 204 ካብ ዕለት 11/09 /2017 ዓ.ም እስካብ ዕለት 14 /09/2017 ዓ.ም ስዓት 4፡00 ምውሳድ ትኽእሉ።
7. እዚ ፕሮፎርማ ዕለት 14/ 09/ 2017 ዓ.ም ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡30 ተጫረትቲ ኣብ ዘለውሉ ይኹን ኣብ ዘየለውሉ ይኸፈት ፡
8. ንብረት ተቐባልነት ዝህልዎ ብበዓል ሞያ ምሰ ኣረጋገፀ ይኸውን።
9. ሰዓራይ ምስ ተፈለጠ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ንብረት ከቕርብ ዝኽእል።
10. ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ፕሮፎርማ ጨረታ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ።
11. ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቴሌፎን ቑፅሪ 0342417669 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።
ድሕሪት