ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶት ምምሕዳር ፋይናንስን ታሕታይ ኣድያቦ ካብ UNDP በጀት ንኣብያት ፅሕፈት ፖሊስ ትምህርትን ጥዕናን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ አገልግሎት ዝዉዕል ናይ ቢሮን ገዛን ፈርኒቸር : ኣቅሑት ኮምፒተር ኣክስሰሪን : ኤሌክትሮኒክስን : ናዉቲ ሕክምና ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

1 ናይ ቢሮን ገዛን ፈርኒቸር : ኣቅሑት ኮምፒተር ኣክስሰሪን : ኤሌክትሮኒክስን : ናዉቲ ሕክምና በቢ ዝምልከተኩም ዘርፊ ንግዲ ፈቃድ ዘለኩም

2 ናይ 2015 ዓም ግብሪ ዝከፈልምሉን ናይ 2016 ዓም  ፍቃድ ንግዲ ዝሐደስኩም ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ምዝገባ  ምስክር 2016  ዓም ተወሳኪ እሴተ ታክስ ሒሳብ ዘፍለጥሉ ሪፖርተ ከቅርብ ዝክእል

3 መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ /ቲን ቁፅሪ / ዘለኩም : ናይ 2016 ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ሰርተፊኬተ ወረቀት ምስክር ምቅራብ ዝክእል

4 ኣብ ፖስታ ዝዕሸገ ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ: ቫት ምዝገባ :  ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ናይ ወረቀተ ምስክር ዝተሐደሰ መቅረባይነት  :  ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ  ዲክለረሽን  : ናይ ግብሪ ከፋለይ መለለይ  ቁፅሪ ብግልፂ ዝረአን ክከዉን አለዎ

5 ተጫረቲ ጨረታ ሰነድ ቅዳሕ ብምግባር ዋናን ቅድሕ ተባሂሉ ብክልተ ፖስታ ተዓሺጉ ክቀርብ አለዎ

6 ኣብ መንግስታዊ ትካል ኣብ ዝኮነ ይኩን ዝተአገደ ትካል ኣብዚ ጨረታ ክሳተፍ ኣይክእልን

7 ከይዲ ጨረታ ብዘይኣግባብ ንምዝባዕ ምፍታን ብሕጊ ዝሐትትን ጨረታ ከይሳተፍ ክሳብ ምእጋድ ስጉምቲ ዘስዕብ ምካኑ ንሕብር

8 ተጫረቲ ዋጋ እንትመልኡ ናይ ሐደ ዋጋ ጠቅላላ ዋጋ አፈላላይ ክህልዉ የብሉን አፈላላይ እንትህሉ ድማ ናይ ሐደ ዋጋ ጥራሕ ተቀባልነት ይህልዎ

9 ተጫራቲ ዋጋ እንትመልኡ ስርዝ ድልዝ ወይ ድምሳስ ክህልዉ የብሉን ስርዝ ድልዝ ወይ ድምሳስ እነተጋጢሙ ባራፍ ክግበረሉ አለዎ

10 ተጫረቲ ቅድም ጨረታ ምክፋቱ መክበሪ ጨረታ ብጥረ ገንዘብ ወይድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ 15100 ቅርሺ ናብ ቤት ፅሕፈት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ከትሕዙ አለዎም

12 ተጫረቲ ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 11/11/2016 ዓም ክሳብ 2/12/2016 ዓም ኣብ ዘሎ ግዘ ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ እናመፃእኩም ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ይከኣል

13 እቲ ጨረታ ዕለት 2/12/2016 ዓም ሰዓት 3:00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ሰዓት 3:30 ቅድም ሰዓት ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ወይ ተዓዘብቲ ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

14 ሰዓራይ መቅረባይ ዝፈለጠሉ  ብዝርዝር መሰረት ኮይኑ ዝተሐተ ዋጋ ካብ ዝመለአ መቅረባይ ይከዉን

15 ተጫራታይ ሰዓራይ ተባሂሉ ካብ ፋይናንሻል ዉፅኢቱ ብስሩዕ ካብ ዝተለጠፈሉ ዕለት ጀሚሩ ድሕሪ 3 ናይ ቅሬታ መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእልን  ካብ ጠቅላላ ዝሰዓሮ 10  መጠን ሚእታዊ ዉዕሊ መከበሪ ብስፒኦ ወይ ድማ ብጥረ ገንዘብ ብምትሓዝ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል

16 ሰዓራይ ተወዳዳራይ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ወፃኢ ናብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ንብረትን ምምሕዳር ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ቤት ፅሕፈት ቁፅሪ 5 አታዊ ይገብር ናይ ተምሃሮ ዴስክ ድማ ናብ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ  ጣብያ ዝባን ገደና ቁሸት ድቡጊ ቤት ትምህርቲ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ አታዊ ይገብር

17 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙለእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

Backs
Tender Category