ምምሕዳር ከተማ ሸራሮ ካብ ገባሪ ሰናይ ፕረጆክት ልምዓት ምላሽ ፅዕንቶ ስደተኛታት ዝረከቦ በጀት ሐደ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሸራሮ ምምሕዳር ጣብያ ሙሴ : ምምሕዳር ጣብያ ሰድርን ንዝርጋሕ ፅርይ ዝስተ ማይ ዝዉዕል መለዋወጢ ኣቅሑት ቡንባ ማይ ካልኣይ : መለዋወጢ ኣቅሑት ፅሬት ማለት እዉን ሳኒተሪ : ሳልሳይ መሳርሒ ህንፃን ፕላስቲክን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

1 ቅዳሕ መዳራእታ ዝሐተደሰ ፈቃድ ንግዲ 2016 ዓም  መረዳአታ ከቅረቡ ዝክእሉን

2 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ማለት እዉን ቲን ናምበር ብቅዳሕ ከቅረቡ ዝክእሉ

3 ናይ በጀት ዓመት 2016 ዓም ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ቅዳሕ ዘቅርቡ

4 ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ማለት እዉን ቫት ዝኮኑን መረዳእታ ብቅዳሕ መልክዕ ከቅርቡ ዝክእሉ

5 ከምእዉን ናይ ወርሒ መጋቢት 2016 ዓም ተወሳኪ እሴት ታክስ ሒሳብ ዝገበርሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ

6 ኩሎም መረዳእታት ንፁርነት በዘለዎም መልክዕ ክቀረቡ ይግባእ መፀዋዕታ ጨረታ ፈሊካ ምትራፍ ኣይፍቀድን

7 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ቅዳሐ ብምግባር ዋናን ቅዳሕን ተባሂሉ ነኒበይኑ ተፈልዩ አብ ክልተ ፖስታ ተዓሺጉ ዋናን ቅዳሕን ኣብ ተባሂሉ ኣብ ዝባን ፖስታ ተፃሒፉ ኣብ ሐደ ዓብይ ፖስታ ተጠሚሩ ብምዕሻግ ኣብ ነብስ ወከፍ ፖስታ ማሕተም ሽምን ኣድራሻን ብምግባር ናብ ብሽም በቢ ጣቢያት ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ሸራሮ ተእትዉ ትክእሉ

8 ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ መከበሪ ጨረታ ዉሕስና በቢጣብዩ ብናይ ኢትዩጰያ ቅርሺ 30000 / ሰላሳ ሽሕ ቅርሺ/ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብስፒኦ ብነብሰ ወከፈ ጣቢያ ማለት ብሽም ምምሕዳር ከተማ ሸራሮ  ምምሕዳር ጣቢያ ሙሴ ምምሕዳር ጣቢያ ሰደር ትሕዙ ዝክእሉ

9 ትሕጃኩም ብስፒኦ ተዝከዉን ይምረፅ

10  እቲ ዝድለ ንብረት ሙሉእ ብሙሉእ ብናይ ባዕሎም መጎዓዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ሸራሮ ብዝሰዓረዎ መሰረት ድሕሪ ምእታዉ ኩሎም ናይ ክፍሊት ዘድልዩ ሰነዳት እንተማልኡ ጥራሕ ዝፍጸም ይከዉን

11 ተጫረቲ ኣብ ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ጥራሕ ዝወዳደሩ ኮይኖም ዝመልእዎ ዋጋ ንፁርነት ክህልዎ ይግባእ

12 ስርዝ ድልዝ እንተጋጥም ብንፁር ተስተካኪሉ ሽም ፊርማን ኣብ ጉኑ ክዓርፎ ይግባእ

13 ተጫረቲ ዋጋ እንትመልእ ናይ ሐደ ዋጋን ጠቅላላ ዋጋን አፈላለይ ክህልዉ የብሉን አፋላላይ እንትህሉ ናይ ሐደ ዋጋ ጥራሕ ተቀባለነት ይህልዎ

14 ተጫረቲ ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ካብ 15/10/2016 ኣብ ዘሎ ግዘ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ሸራሮ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን እናመፁ ዘይምለስ 100 ቅርሺ ንነብስወከፈ ሰነድ ብምክፋል ሰነድጨረታ ምዉሳድ ይክእሉ

15 እቲ ጨረታ 15/10/2016 ዓም ልክዕ ሰዓት 4:00 ቅድሚ ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ተወዳደረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከበሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ሸራሮ ይክፈት

16 ሰዓራይ ወይ መቅረባይ ዝፍለ ድሕሪ ግምጋም ጨረታ ኮይኑ ንምድብ ወይድማ ድምር ዝተሐተተ ዋጋ ካብ ዝመልአ መቅረባይ ኮይኑ ተወዳድርቲ ንነብድወከፍ ንብረት ናይ ምምላእ ግቡእ ዘለወም ኮይኑ ሐደ ዓይነት ንብረት ከይተመሉአ እንተርፍ ግና ካብ ዉድድር ወፃኢ ይከዉን

17 ተወዳደርቲ ሽም ትካልን ኣድራሻ ከምእዉን ፊረማ ክገብሩ አለዎም

18 ተጫራታይ ሰዓራይ ተባሂሉ ፋይናንሻል ዉፅኢት ብስሩ ካብ ዝተለጠፈሉ ዕለት ድሕሪ ን 5 ተካታተልቲ ናይ ቅሬታ መዓልቲ ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ዉዕሊ ክአስር ዝክእልን ዉዕሊ ካብ ዝአሰሮ ዕለት ኣብ ዉሽጢ 10 ተከታተልቲ መዓልቲታት ንብረት ኣታዊ ዝገብር

19 ካብ ጠቅላላ ዝሰዓሮ ንብረት 10 ሚእታዊ መከበሪ ዉዕሊ ስፒኦ ወይ ጥረ ገንዘብ ክትሕዝ ዝክእል ብሽም ነብሰወከፈ ጣቢያታት ማለተ  ከትሕዝ ዝክእል ሕዝዉን ትሕጁ ብስፒኦ ተዝከዉን ይምረፅ

20 ዝሰዓረ ተወዳዳሪይ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ መፅዓንን መራገፍን ሐዊሱ ናብ ከተማ ሸራሮ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ኣብ ዉሽጢ 15 መዓልቲ አታዊ ዝገብር ከከዉን አለዎ አታዊ እንተዘይ ገይሩ ብምምርሒ ዕደጋ 05/2005 መሰረት ዝቅፃዕ ምኮኑ ክፈልጥ አለዎ

21 ድሕሪ ምክፋት ጨረታ ዋጋ ፂኑዑ ዝፀንሐሉ ግዘ እንተናአሰ 45 መዓልቲ ይከዉን

22 በአሰራርሐ እቲ ፕሮጀክት ነብሰወከፍ ጣበያ ምምሕዳር 15 ሚእታዊ ናይ ምዉሳክ ወይ ናይ ምንካይ መሰል ፍቁድ እዩ

23 እቲ ማሕበረሰብ ዕደጋ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0914259231 /  0912995394

Backs
Tender Category