በዚ መሰረት ሕጋዉያን መቅረብቲ ኣብቲ ጨረታ ንክትሳተፉ ይዕድም
- ብናይ መኪና ክራይ መቅረባይ ናይ ስራሐ ዘርፊ ናይ Â 2008 ን ፍቃድ ንግዲ ዘሐደሰን ግብሪ ዝከፈለን
- ቫት ወይ ቲኦቲ ዝተመዝገበ ኮይኑ Â 2008 ዓም ወርሒ ታሕሳስ ሒሳብ ዝገበረሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል
 - ናይ 2008 ዓም ዝተሓደሰ ናይ መቅረባይነት መቅረብቲ ምዝገባ ምስክር ወረቀት ከቅርብ ዝክእል
- መለለዩ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ ማለት እዉን ቲን ነምበር ከቅርብ ዝክእል
- ናይ ዘቅርበን መካይን ናይ ዋንነት ሊብረ ወይ ሕጋዊ ዉክልና ከቅርብ ዝክእል
- ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 80 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ወረዳ እንደርታ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክፍሊ ቁፅሪ2 ምዉሳድ ይከኣል
- ተጫረቲ መክበሪ ጨረታ ቢድ ቦንድ 5000 ቅርሺ ብናይ ሲፒኦ ባንኪ ዝተረጋገፀ ወይድማ ብጥረገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል
- ምልክታ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ 13 መጋቢት 2008 ዓም ሰነድ ጨረታ Â ካበ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ እንደርታ ክፍሊ ቁፅሪ 2Â ምዉሳድ ዝከኣል ኮይኑ እቲ ጨረታ Â 27 መጋቢት 2008 ዓም ሰዓት 4፡ 00 ታዓሺጉ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4 ፡30 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶምÂ ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት
- ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ዋና Â ቅዳሕን ንንበይኑ ኣብ ፖስታ ብምዕሻግ ኣብ ሓደ ዓብዩ Â ፖስታ ብምጥቅላል ናብቲ ዝተዳለወ ሳንዱቅ Â ጨረታ ከእትዉ ኣለዎም። እቲ ፖስታ ናይ ተጫረቲ ሙሉእ ኣድራሻ ፣ማህተም ፣ፊርማን ክህልዎ ኣለዎ
- ተጫረቲ ሰዓራይ ጨረታ ካብ ዝተፈለጠሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ሕጋዊ ዉዕሊ ክእስርን ናይ ዉዕሊ መከበሪ 10% ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሰፒኦ ከተሕዝ ዝክእል
- ጨረታ ኣብ አየር ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ ን 5 መዓልቲ ጥራሕ ይከዉን
- እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ ኣመራፂÂ እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ
ንዝበለፀ ሓበሬታ 0342400403 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል
Backs