ቤት ፅሕፈት ማይ ግልጋሎት ከተማ እንትጮ አብ ናይ 2013 ዓም በጀት ንቤት ፅሕፈትና ግልጋሎት ዝዉዕል ዝተፈላለዩ ዓይነታት ንብረት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደደለየ ዝርዝር ዝዕደጉ ንብረታት ናይ ፕላምፒንግ/ባንባ ኣቅሑ/ ፣ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ኣቅሑት ፣ ናይ እስፔር ፓርት መለዋወጢ ኣቅሑት፣ ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑ ኮይኖም ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ በዚ መሰረት ኣብቲ ጨረታ ክትሳተፉ እትደልዩ ተወዳደርቲ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቃሒ ክተማልኡ ይግባእ

1  ዝተሐደሰ ንግዲ ፈቃድ ቲን ናምበር ኣብ ናይ መንግስቲ ዕድጊት ናይ ምስታፍ ፍቃድ ወይ ዝተሐደሰ መቅረባይነት ዘለኩም ናይዚ መረዳእታ ፎቶ ኮፒ ከተሓሕዝ ዝክእልን

2 ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩምን ናይ ሐምለ ወርሒ 2012 ዓም አታዊ ዝገበርኩምሉ መረዳእታ ዋናን ቅዳሕን ክተቅርቡ እትክእሉ

3 አብዚ ናይ መወዳደሪ ዋጋ መምልኢ ወረቀት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ብምምላእ ናይ በዓል ዋና ንግዲ ወይ ወኪሎም ፈሪሙ ማሕተም ክግበረሉ አለዎ ኣብዚ ስርዝ ድልዝ ወይ ዝተዋቀዐ ዋጋ እንተተመሊኡ ካብ ዉድድር ወፃኢ ይከዉን

4 እዚ ዝዕደጉ ንብረታት መክበሪ ጨረታ 5,000 ብጥረ ገንዝብ ወይ ብስም ከተማ እንትጮ ማይ ግልጋሎት ዝተሰርሐ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ስፒአ ከትሕዝ ዝክእሉ

5 ጨረታ አብ አየር ዝፀንሐሉ ካብ 20/01/2013 ዓም ክሳብ 05/02/2013 ዓም ሰዓት 6:00 ንጎሆ ክፍቲ ኮይኑ ዝፀንሕ እንትከዉን አብ ከተማ እንትጮ ማይ ግልጋሎት ደከስዕፋንምምርን ቢሮ ቁፅሪ 04 ብምምፃእ ሰነድ ጨረታ መግዝኢ ዘይምለስ 50 ብር ብምክፋል ክትዕድጉ እናሐበርና ዕለት 05/02/2010 ዓም ሰዓት 6:05 ንጎሆ ተዓፅዮ 8:00 ሰዓት ድቀትሪ ይክፈት

6 እዚ ጨረታ ሰነድ ዝመልእዎ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ እዋን 60 መዓልቲ ይከዉን

7 እዚ ሰነደ ጨረታ ብ2ተ ኮፒ ዝዳለዉ ኮይኑ ኦርጅናል ኮፕን ነንበይኑ ስምን ኣድራሻን ብምፅሓፍ ብሽምዒ ብዝተዓሸገ ፖስታ ከቅርብ አለዎ

8 ሰዓራይ ዉዕሊ ምስአሰረ ዝሰዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ከተማ እንትጮ ማይ ብምቅራብ ብስብ ሞያ ፅሬቱ ምስተረጋገፀ ኣታዊ ይከዉን

9 ቤት ፅሕፈትና ካብ ኣብ ሰነድ ጨረታ ተቀሚጦም ዘለዉ ዝርዝር ኣቅሓ ነንሕድሕዶም 20% ምዉሳክ ወይ ምቅናስ ከምዝከኣል ክፍለጥ አለዎ

10 አብቲ ጨረታ ሰነድ ይኩን ካልኦት መብራርሂ አብ ዝተደለየሉ ግዜ ስልኪ ቁፅሪ 0344490017/ 0918167263/0918167263

Backs
Tender Category