ብመሰረት እዚ ተወዳደርቲ ከማልእዎ ዝግባእ ረ ቋሒ
- ናይ 2008 ዓም ዝተሓደሰ በቲ ዘፈር ንግዲ ፍቃድ ዘለዎም
- ኣብ 2008 ዓም ዝተሓደሰ በቲ ዘፈር ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ከቅርብ ዝክእል
- ናይ መለለዩ ቁፅሪ ወይድማ ቲን ነምበር ን ፣ተወሳኪ እሴት ታክስ ወይድማ ቫትን ምስክር ወረቀት ዋናን ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል
- ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2008 ዓም ሒሳብ ዘፍለጠሉ መረዳእታ ዋናን ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል
- ነቲ ዝካየድ ጨረታ መከበሪ ዝዉዕል ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ንሕድሕድ ንሓባር ዒላ 3000 ቅርሺ ንነፍስወከፎም ብጥረገንዘብ ወይድማ ብሲፒኦ ወይዉን ብባንኪ ብዝተረጋገፀ ቼክ ከትሕዝ ዝክእል
- ዝሰዓሮ ንብረት ክሳብ ናይ ዕደጋ ፈፃሚ አካል ብናይ ባዕሉ መጋዕዝያ አጋዓዒዙ ከረክብ ዝክእል
- እቲ ጨረታ ተከፊቱ ሰዓራይ ምስተገለፀ ናይ ዝሰዓሮ 10 ሚኢታዊ ኣትሒዙ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል
- ሰነድ ጨረታ ካብ 10 ለካቲት 2008 ዓም Â ክሳብ 25 ለካቲት 2008 ዓም ኣብዘሎ ናይ ስራሕ ሰዓትን መዓልትን ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ወልቃይት ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንሰን ምምሕዳር ንብረትን እናወሰዱ ሓደ ዋናን ክልተ ቅዳሕን በበይኖም ብፖስታ ዓሺጎም ኣብ ልዕሊ እቲ ፖስታ ዋናን ቅዳሕን ተባሂሉ ተፃሒፉ ኣብ ሓደ ዓብዩ ፖስታ ተዓሺጉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንሰን ምምሕዳር ንብረትን ናብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቅ ከእትዉ ኣለዎም
- እቲ ናይ ኤለክትሮኒክስ ጨረታ 25 ለካቲት 2008 ዓም ሰዓት 4፡00 ናይ ንግሆ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4 ፡30 ይክፈት
- ናይ ሞተር ሳይክል ጨረታ 25 ለካቲት 2008 ዓም ሰዓት 8፡00 ናይ ንግሆ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 8 ፡30 ይክፈት
- ተጫረቲ ወይከዓ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት
- እቲ ቤት ፅሕፈት ካልእ ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይንድማ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንተወሳኪ ሓበሬታ 0914498497 /0932341634 /0913870684 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል
Backs