ግዜ ዝተነወሐሉ ጨረታ ኣብ ወረዳ ኣስገደ ቤት ፅሕፈት ህንፀትን ምምሕዳር መጓዓዝያን ከይዲ ስራሕ ቁፅፅር ዲዛይንን ስራሕቲ ህንፀት ዋንነቱ ናይ ወረዳ ኣስገደ ቤት ፅሕፈት ጥዕና ዝኮነ ብናይ ክልልን ፌደራልን ጥዕና ትካላት በጀት ድጋፍ ኣብ ጣብያ ዓዲ መሓመዳይ ናይ አዴታትን ህፃናትን መሐከሚ ህንፃ MCH ስራሕቲ ንምስራሕ ናይ ደረጃ 8ተ ደቀቅቲ ናይ ደኣንት ወረቀት ምስክር ብርኪ ዘለዎም ናይ ኮንስትራክሽን ማሕበራት ዉልቀ ዳኣንትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክሰርሕ ይደሊ

1 ናይ 2012ዓ/ም ዝተሓደሰ ብቤት ፅሕፈት ልምዓት ደቀቅትን ኣናእሽተይን ንግዲ ትካላት ዝተወሃቡ ብርኪ ዕብየት ምስክር ወረቀት

2 ናይ 2012ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ስራሕ ፣ ናይ ግብሪ ከፋሊ ወረቀት ምስክር ፣ ናይተወሳኪ እሴት ታክስ ወረቀት ምስክር

3 ናይ 2012ዓ/ም ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ሒሳብ ዝገበረሉ መረዳእታ መቅረባይነት ናይ ኮንስትራክሽንን ከቅርብ ዝክእል

4 ናይ 2012ዓ/ም ዝተሓደሰ ናይ ኮንስትራክሽን ተካናታራይነት ሓፂር ምዝገባ ዘለዎም

5 መኸበሪ ጨረታ ብኢ/ያ ብሔራዊ ባንኪ ካብ ዝተፈቀደሎም ዝተፈለጡ ባንክታት ፋይናንሳዊ ትካላት ዝወሃብ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ዉሕስና ባንክታት ወይ ፋይናንሳዊ ትካላት ብዘረጋገፆ ቼክ ወይ ድማ ስፒኦ ብኣድራሻ ናብ ኣስገደ ቤት ፅሕፈት ህንፀትን ምምሕዳር መጓዓዝያን ከይዲ ስራሕ ቁፅፅር ዲዛይንን ስራሕቲ ህንፀት ተባሂሉ 10,000.00 ቅርሺ ከቅርብ ዝክእል

6 ዉዕል ካብ ዝአሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 120 ተከታተልቲ መዓልታት ሙሉእዝ ብሙሉእ ዛዚሞም ከረክቡ አለዎም

7 ተጫረቲ ብወረዳ ኣስገደ ቤት ህንፀትን ምምሕዳርን መጓዓዝያን ከይዲ ስራሕ ቁፅፅር ዲዛይንን ስራሕቲ ህንፀት ዝተዳለወ ጨረታ ሰነድ ብናይ ባዕሎም ወፃኢ ቅዳሕ እናገበሩ ካብ 30/10/2012ዓ/ም ጀሚሩ ካብ ወረዳ ኣስገደ ቤት ፅሕፈት ህንፀትን ምምሕዳር መጓዓዝያን ከይዲ ስራሕ ቁፅፅር ዲዛይንን ስራሕቲ ህንፀት ምዉሳድ ይክእሉ

8 ተጫረቲ ዝመልእዎ ዋጋ ሰነድ ጨረታ ሓደ ዋናን ግልፅን ተነባብን ብዝኮነ ክልተ ቅዳሕን ናይ ጨረታ መኸበሪ ክልተ ግዜ ቅዳሕ ተገይሩ ዋናን ቅዳሕን ሰነድ ይዕሽጉ

9 ጨረታ ክሳብ 30/011/2012ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ብኣካል ብምምፃእ ከእትዉ ኣለዎም

10 እቲ ጨረታ ኩሎም ተጫረቲ ኣብ ዝተረከቡሉ 30/11/2012ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 4፡30 ይክፈት

11 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓወ እዩ

ንተወሳኺ ሓበሬታ 09 21 91 57 47

Backs
Tender Category