ትካልና መስፍን ኢንድስትሪያል ኢንጅነሪንግ ሓ/ዝተ/ዉ /ማሕበር ኣብ ከባቢ ኢላላ ዝርከብ ናይ ታየር ስቶር ኢንሲነሬተር ስራሕቲ ብጨረታ አወዳዲሩ ከስርሕ ስለዝደሊ ንምጭራት ድሌት ዘሉኩም ደረጃ GC-5 ወይም BC-5 ልዕሊኡን ዝኾንኩም ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ መዐቀኒታት ተማልኡ ተወዳደርቲ ክትሳተፉ ኩባንያና ይዕድም
  • Posted Date: ረቡዕ ሚያዝያ 7, 2012 (over 4 years ago)
  • Closing Date: ቀዳም ሚያዝያ 24, 2012 08:00 Afternoon (closed)
  • Bid Bond:60000.00
  • location: መቐለ
  • Bid Document Price:100.00
  • Bid Opening Date: ቀዳም ሚያዝያ 24, 2012 08:30 Afternoon
  • House & Building Construction/
  • Print
  • Pdf

1 ናይዚ ጨረታ ተሳተፍቲ ናይ 2012ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ከቅርብ ዝክእል

2 ተጫረቲ ናይ ኮንስትራክሽን / ናይዚ ዘርፉ / ፍቃድን ዘለዎን ቫት ምዝጉቡን ምኻኑን ናይ ግብሪ ኸፈልቲ ብተወሳኪ  ናይዚ ወርሒ ሬጅስተርን ምዝገባ ምስክር ወረቀትን ሰነዳት ኦርጅናልን ዘይምለስ ፎቶ ኮፒ ብምትሕሓዝ ናይ ዝርዝር ጨረታ ሰነድ ብር 100 ዘይምለስ ብምክፋል ካብ ዕለት 13/04/2020 ክሳብ 24/04/20201 ኣ.ፈ ኩሉ ጊዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት መቐለ ቀረብን መምርሒ ክወስዱን ከእትዉን ይክእሉ

3 ተጫረቲ ብር 60000.00 / ስሳ ሽሕ ብር/ ናይ ጨረታ መኸበሪ ብስምዒ ዝተኣሸገ ስፒኦ ምስ ጨረታ ከእትዉ ይግባእ ጥረ ገንዘብን ብስምዒ ዘይተዓሸገ ስፒኦ ከምኡ እዉን ካሊእ ዓይነት  ጨረታ መኸበሪ ተቀባልነት የብሉን

4 ታጫረቲ ዘቕርብዎ ዋጋ ቫት ዝሓወሰ ምኻኑ ክጥቀስ ይግባእ እንተዘይ ተጠቂሱ ግና እቲ ዘቕረብዎ ዋጋ ቫት ከምዝሓወሰ ኮይኑ ይሕሰብ

5 እቲ ጨረታ ዕለት 24/04/2020 ሰዓት 8፡00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 8፡30 ናይ ድሕሪ ቀትሪ ተጫረቲ ወይም ወኮልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

6 ተጫረቲ መጀመርታ እቲ ዝስርሐሉ ሳይት ክርእዩዎ ኣለዎም

7 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዶክመንት ክተእትዩ ከለኩም ቴክኒካል ፋይናንሻል ኦርጅናልና ኮፒ ነንበይኖም ተኣሺጉ ከእትዉ አለዎም

8 ሰዓሪ ተጫረቲ ምስዓሮም ምስተነጎሮም ኣብ ዉሽጢ 3ተ መዓልቲ ወዕሊ ብምእሳር ነቲ ዝሰዓሮ ጠቅላላ ዋጋ 10% ብባንክ ዉሕስና ከትሕዙ ኣለዎም  እንተዘይ ኮይኑ ግና ንጨረታ መኸበሪ ዘትሕዝዎ ንትካል ቦታ ካሊእ መማረፂ ይወስዱ

9 ትካልና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ 0344 40 68 03

Backs
Tender Category