ኣብ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጓዓዝያን ከተማ ኣክሱም ዝርከብ ከይዲ ስራሕ መንገዲ ምዕባለን ምምሕዳርን ኣብ በጀት ዓመት 2012 ዓ/ም ዋንነቱ ናይ ቤት ማዛጋጃ ከተማ ኣክሱም ካብ ሪፈራል ሆስፒታል ናብ ሓድሽ ኢንዳስትሪ ዞን ዝስራሕ ፀፀር መንገዲ ፕሮጀክት ኮድ AAX/CW/0112 ንምስራሕ grevel . rued/01 12 ንምስራሕ ብደረጃ 8ተ Rc/Gc ደቂቅ ብርኪ ንግዲ ፍቃድ ትካላት ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ትካላት ንግዲ ደቀቅትን ኣናሽተይን ኮንስትራክሽን ማሕበራት ሕብረት ሽርክናን ውልቀ ደኣንትን ኣወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ። ስለዚ ነዞም ረቋሒታት እተማለኡ ነጋዶ ክትወደደሩ ንዕድም።

1 ናይ 2012ዓ/ም ዝተሐደሰ ብቤት ፅሕፈት ልምዓት ደኣንትን ኣናእሽተይን ማእኸላዎትን ማኑፋክቸሪንግ ኢንዱስትሪ ዝተውሃበ ብርኪ ትካል ምስክር ወረቀት ፣ምዝገባ ንግዲ ምስክር ወረቀት፣ ፍቃድን ንግዲ ናይ ኮንስትራክሽን ወይድማ ተኾናታሪነት ምዝገባ ካርዲ ፣ ምዝጋባ ከፋሊ ግብሪ ወረቀት ምስክር፣ተወሳኺ እሴት ታክስ ዝተመዝገቡ ናይ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር፣ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ( ጥቅምቲ) ሒሳብ ዝገበርኩምሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝኽእለ ፣

2 መኸበሪ ጨረታ 10000.00 ቅርሺ ካብዞም ዝስዕቡ ብሓዲኡ ከቅርብ ዝኽእል ኾይኑ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ዝክእሉ ከብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ኣክሱም ኣብ ዘትሕዝሉ መትሐዚ ሰነድ ቅብሊት፣ወይ አብ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈቀደሎም ባንኪታት ወይ ፋይናንሳዊ ትካላት ዝወሃብ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ውሕስና ባንክታት ወይ ፋይናንሰዊ ትካላት ብዝተረጋገፀ ቼክ ሲፒኦ ከቅርቡ ኣለዎም

3 ተጫረቲ ናይቲ ዝጫረትሉ ህንፃ ፕሮጀክት ስራሕቲ ቦታ ካብቲ ዝተረከብሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 119 ተኸታታሊ መዓልቲ ሙሉእ ብሙሉእ ዛዚሞም ከረክቡ ኣለዎም።

4 ተጫረቲ ብቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽን መንገድን መጓዓዝያን ከተማ ኣክሱም ከይዲ ስራሕ ህንፃ ዲዛይን ኮንስትራክሽንን ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብ 09/04/2013ዓ/ም ጀሚሩ ካብ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽን መንገድን መጓዓዝያን ከተማ ኣክሱም ከይዲ ስራሕ ህንፃ ዲዛይን 3 ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 8 ምውሳድ ይኽእሉ እዮም።

5 ተጫረቲ ዝመልእዎም ሰነድ ዋጋ ጨረታ ሓደ ዋናን ክልተ ቕዳሕን ኣብ ዝተፈላለዩ ፖስታ ተዓሺጉ ናብ ዝተዳለወ ክሳብ 30/04/2012ዓ/ም ሰዓት 3:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 3:30 ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረኸብሉ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽን መንገድን መጓዓዝያን ከተማ ኣክሱም ከይዲ ስራሕ ህንፃ ዲዛይን 4 ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 8 ይኽፈት።

6 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይዅን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 03 47 75 18 80 /09 21 98 98 12

መመለስ
የጨረታ ምድብ