ኣብ 2008 በጀት ዓመት ንቲ ቤት ህንፀት ግልጋሎት ዝዉዕሉ መሳርሕታት ህንፃ ፣መሳርሕታት ፅሕፈትን ካልኦት ናይ ማዕፆ ስራሕትን ካብ ሕጋዉያን ነጋዶ ኣጫሪቱ ክዕድግ ስለዝደሊ ዝስዕብ ረቋሒ እተማልኡ ነጋዶ ይዕድም
- ናይ 2007 ዓም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩምን ፣ናይዚ ዘበን ግብሪ ዝከፈልኩምን፣ ቲን መለለዩ ቁፅሪ ዘለኩም ፣ተወሳኪ እሴት ታክስ ቫት ዝተመዝገብኩም፣ ብትልምን ፋይናንስን ዝተዉሃበ ናይ 2008 ዓ ም ዝተሓደሰ ናይ መቅረባይነት ምዝገባ ደፍተር ክተቅርቡ እትክእሉ ። ንዝተዘርዘሩ መረዳእታታት ዋናን ዘይምለስ ቅዳሕን ክተቅርቡ እትክእሉ፣ ኣብ መወዳደሪ ሰንድ ሽም ክታም ናይቲ ትካልን ምሕተምን ኣድራሻን ክተቅምጡ ይግባእ
- መክበሪ ጨረታ 5000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ቅድሚየያ ክተትሕዙ ይግባእ
- ተጫራታይ ንዉዕሊ መክበሪ 10 ሚኢታዊ ክተትሕዙ እትክእሉ
- ጨረታ ዝወፀሉ 10 ጥቅምቲ 2008 ዓ ም ኮይኑ ክሳብ 25 ጥቅምቲ 2008 ዓ ም ኣብ ኣየር ይፀንሕ
- ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት ድማ 25 ጥቅምቲ 2008 ዓ ም ሰዓት 8 ፡00 ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 8 ፡30 ድሕሪ ቀትሪ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት
- ተጨረቲ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 30 ቅርሺ እንዳከፈልኩም ካብ ማእከል ቤት ህንፀት ዓድዋ ደጋዊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቁፅሪ 6 ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓተ ናመፃእኩም ክትወስዱ ትክእሉ
- እቲ ቤት ህንፀት ካልእ ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይንድማ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::
ንተወሳኪ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0347711227 ወይንድማ 0347711668 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል
መመለስ