ነዞም ዝስዕቡ ረቋሒታት እተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም።
1 ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሐደሰ ኣግባብነት ዘለዎ ፍቃድ ንግዲ ዘቅርብ፤
2 ናይ ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት መለለይ ካርድ ዘቅርብ፤
3 ወረቀት መለለይ ምስክር ከፈልቲ ግብሪ ዘለዎ፤
4 ናይ ወርሒ ለካቲት 2011 ዓ/ም ሒሳብ ዘፍለጠሉ መረዳእታ ዘቅርብ ተጫረቲ ዘይምለስ 100.00 ቅርሺ እናከፈለኩም ሰነድ ጨረታ ካብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስ ንብረት ምምሕደርን ከተማ ኣክሱም ክፍሊ ቁፅሪ 15 ምዉሳድ ይክእሉ።
5 ኣብ ዝቀረበ ሰነድ ጨረታ ናይ ባዕልካ ረቋሒ ስፔስፌኪሽን ምዉሳክ ይኩን ምቅናስ ምስራዝ ኣይፍቃድን።
6 ተጫረቲ ሰዓርቲ ምዃኖም ካብ ዝተገለፀሎም ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስሩ አለዎም።
7 መከበሪ ጨረታ ን መሳርሒ ፅሕፈት፣ ኣቅሑ ኤሌክትሮኒክስ፣ ሳይክልን ናይ ሳይክልን ኣቅሑ፣ ሞተር ሳይክልን ናይ ሞተር ሳይክልን መለዋወጢ 10000.00 ሽሕ ቅርሺ ፣ ኣቅሑት ህንፃ፣ ደንቢ ክዳን፣ ናይ ፅሬት ኣቁትን 3000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ብስፒኦ ወይድማ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል፤
8 ሰዓርቲ መከበሪ ዉዕሊ 10 % ከትሕዙ አለዎም።
9 ተጫረቲ ዝሰዓርዎ ንብረት ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ንሕትመት ከም ኣድላይነቱ ክሳብ 30 ናይ ስራሕ መዓልቲ ንብረት እቲ ንብረት ብናይ ባዕሎም መጎዓዝያ ናብ ንብረት ክፍሊ አታዊ ይገብሩ።
10 እቲ ቤት ፅሕፈት ምስ በጀት ብምጥዕዓም ውዕሊ እንትኣሰር 20 % ናይ ምዉሳክን ምቅናስን መሰለ አለዎ።
11 ጨረታ ካብ ዝወፀኣሉ ካብ 10/07/2011ዓ/ም ክሳብ 27/07/2011ዓ/ም ኣብ ናይ ስራሕ መዓልቲ ኾይኑ 27/07/2011ዓ/ም ሰዓት 3:30 ንጉሆ ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 4:00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይክፈት።
12 ኣብ ዝቀርበ ሕድሕድ ገፅ ሰነድ ጨረታ ናይ ሽም ትካልም ማህተምን ፊርማን ኣድራሻን ክቀርብ ይግባእ።
13 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0347-753006/0347-751670 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል፡፡
መመለስ