ቤት ፅሕፈት ፕላንን ፋይናንስን ወረዳ ክልተ ኣዉላዕሎ ኣብ በጀት ዓመት 2011 ዓም ንወረዳና ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕል ፅሕፈት መሳርሒ : ፅሬት መሳርሒ ኣቅሑት ፣መኪና ስፔር ኣቅሑት: ኮምፒተርና ኮምፒተር ተንከፍ ኣቅሑት : ሕትመት መሳርሒ ኣቅሑት : ሞተር ሳይክላት : መኪና ጎማን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

በዚ መሰረት ኣብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ እትኽእሉ ሕጋውያን ተጫረቲ

1 ሕጋዊ ናይ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩምን አብዚ በጀት ዓመት ዘሐደስኩምን ወይ ድማ ግብሪ ዝኸፈልኩም

2 ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቁፅሪ /ቲን /ካርድ ዘለኩም ዝተሐደሰ ናይ መቅርባይንት ካርድ ዘለኩም

3 ብዘይካ ፅሬትን ኣቅሑትን ሕትመትን ቫት ዝተመዝገብኩምን ናይ ቫት ሰርተፊኬት ዘለኩም ናይ ዝሐለፈ ወርሒ መስከረም 2011ዓ/ም ዲክላሬሽ መረዳእታ ክተቕርቡ እትክእሉ

4 ንሐደ ዶክሜንት ዘይምለስ ብር 50.00 /ሓምሳ/ ብምክፋል እቲ ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት  ፅሕፈትና ከይዲ ስራሕ ዕዳጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ብምዉሳድ ዝቐረበሉ ዋጋ ብምምላእ ካብ ዕለት 19/02/2011 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 04/03/2011 ዓ/ም ዋንኡን ኮፒኡን በበይኑ ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ብምምላእ ነዚ ተባሂሉ ዘተዳለወ ናይጨረታ ሳፁንምእታዉ ይከኣል:;

5 ጨረታ ሳንዱቅ ዝዕሸገሉ ዕለት 04/03/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ኮይኑ በዚ ዕለት ሰዓት 4:30 ድማ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዘለዉሉ ይኽፈት ተዘይሃለዉን ኣብ ዉሽጢ ሳንዱቅ ዝተረከበ ፖስታ ብስርዓት ይኽፈትን ይግምገም::

6 ተጫረቲ ቅደሚ ጨረታ ምኽፋቱ መኽበሪ ጨረታ ዝኽዉን ብር 5000 /ሓሙሽተ ሽሕ / ብር ንሕትመትን ፅርየትን ኣቁሑት ድማ ብር 2000.00 (ክልተ ሽሕ ብር) CPO ከትሕዙ አለዎም::

7 ተጫረቲ ዘቕረብዎ ናይ መወዳደሪ ጨረታ ሰነድ ማህተምን ፊርማን በዓል ዋና እንተዘይሃልዎን ስርዝ ድልዝ እንተኾኑን ተቐባልነት አይህልዎን::

8 ሰዓራይ ኮይኑ ዝተረኸበ ተጫራቲ ሰዓረይ ምኮኑ ካብ ዝተነገረሉ ኣብ ዉሽጢ 5ናይ ሰራሕ መዓልቲ ዉዕሊ እንተዘይአሲሩ ዘተሐዞ መኽበሪ ጨረታ ተወሪሱ ናብ መንግስቲ ካዝና አታዊ ይኽዉን::

9 ሰዓራይ ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ናብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ክልተ ኣዉላዕሎ ኣታዊ ይገብር

10 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይምስራዝ መሰሉ ሕሉዉ እዩ::

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ/ቁ 0344-430357 ምሕታት ይከአል:

መመለስ
የጨረታ ምድብ