ኣብ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጓዓዝያን ወረዳ ግሎ መኸዳ ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ህንፃ ዲዛይንን ኮንስትራክሽንን ኣብ በጀት ዓመት 2011ዓ/ም ዋንነቱ ናይ ወረዳ ግሎ መኸዳ ቤት ማዘጋጃ ዝኾነ በዓል 1 ደብሪ ፕሮጀክት ኣብ ከተማ ፋፂ ብደረጃ 8ተ Bc/Gc ብርኪ ፍቃድ ኣናሽተይን ኮንስትራክሽን ማሕበራት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ። ስለዚ ነዞም ረቋሒታት እተማለኡ ነጋዶ ክትወደደሩ ንዕድም።
  • የተለቀቀበት ቀን: ቀዳም ጥቅምቲ 3, 2011 (ከ 6 ዓመታት)
  • መዝግያ ቀን: ሶኒ ጥቅምቲ 19, 2011 03:00 ጥዋት (ተዘጋ)
  • የጨረታ ማስከበርያ ዋጋ:10000.00
  • ቦታ: ጉሎመከዳ
  • የጨረታ ደኩመንት ዋጋ:150.00
  • ጨረታ ሚከፈትበት ቀንና ሰዓት: ሶኒ ጥቅምቲ 19, 2011 03:30 ጥዋት
  • ገዛውቲን ሕንፃ ስራሕቲን/
  • Print
  • Pdf

1 ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሐደሰ ብቤት ፅሕፈት ልምዓት ደኣንትን ኣናእሽተይን ማእኸላዎትን ማኑፋክቸሪንግ ኢንዱስትሪ ዝተውሃበ ብርኪ ትካል ምስክር ወረቀት ፣ምዝገባ ንግዲ ምስክር ወረቀት፣ ፍቃድን ንግዲ ናይ ኮንስትራክሽን ምዝገባ ካርዲ ፣ ምዝጋባ ከፋሊ ግብሪ ወረቀት ምስክር፣ተወሳኺ እሴት ታክስ ዝተመዝገቡ ናይ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር፣ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ( ነሓሰ) ሒሳብ ዝገበርኩምሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝኽእለ ፣

2 መኸበሪ ጨረታ 10000.00 ቅርሺ ካብዞም ዝስዕቡ ብሓዲኡ ከቅርብ ዝኽእል ኾይኑ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ዝክእሉ ወይ አብ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈቀደሎም ባንኪታት ወይ ፋይናንሳዊ ትካላት ዝወሃብ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ውሕስና ባንክታት ወይ ፋይናንሰዊ ትካላት ብዝተረጋገፀ ቼክ ከቅርቡ ኣለዎም

3 ተጫረቲ ናይቲ ዝጫረትሉ ህንፃ ፕሮጀክት ስራሕቲ ቦታ ካብቲ ዝተረከብሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 210 ተኸታታሊ መዓልቲ ሙሉእ ብሙሉእ ዛዚሞም ከረክቡ ኣለዎም።

4 ተጫረቲ ብቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽን መንገድን መጓዓዝያን ከተማ ወረዳ ግሎ መኸዳ ከይዲ ስራሕ ህንፃ ዲዛይን ኮንስትራክሽንን ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ 150 ቅርሺ ብምኽፋል ካብ 30/01/2011ዓ/ም ጀሚሩ ካብ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽን መንገድን መጓዓዝያን ወረዳ ግሎ መኸዳ ከይዲ ስራሕ ህንፃ ዲዛይን ምውሳድ ይኽእሉ እዮም።

5 ተጫረቲ ዝመልእዎም ሰነድ ዋጋ ጨረታ ሓደ ዋናን ክልተ ቕዳሕን ናይ ጨረታ መኸበሪ ቤት ፅሕፈት ልምዓት ደቐቕትን አናእሽተይ ትካላት ንግዲ ዝተውሃብኩምዎ ብርኪ ትካል ናይ ንግዲ ምዝገባ ካርዲ፣ናይ ተኾናታሪነት ምዝገባ ካርዲ መቅረባይነትን፣ መረደእታ መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ንግዲ ወረቀት ፣ተመዝጋቢ ተወሳኺ እሴት ታክስ፣ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ተወሳኺ እሴት ታክስ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖስታ ተዓሺጉ ኩሎም ፖስታታት ናብ ካሊእ ዓብይ ፖስታ ብምዕሻግ ናይቲ ዝተጫረትሉ ፕሮጀክት ስም ኣድራሻ ፊርማ ብዝርአ ቀለም ብምፅሓፍ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ክሳብ 19/02/2011ዓ/ም ሰዓት 3:00 ብኣካል ብምምፃእ ከእትውዎ ኣለዎም።

6 ተጫረቲ ብውነ ተረዲኦም ሽሞምን ማህተሞምን ብምዕራፍ እቲ ሰነድ ጨረታ ከምቲ ክሽየጥ ቶሎ ዝነበሮ ከየጋደሉ ከቅርቡ ኣለዎም።

7 19/02/2011ዓ/ም ሰዓት 3:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 3:30 ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረኸብሉ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽን መንገድን መጓዓዝያን ወረዳ ግሎ መኸዳ ከይዲ ስራሕ ህንፃ ዲዛይን ኮንስትራክሽንን ይኽፈት።

6 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይዅን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0344-340159 ምድዋል ይከኣል።

መመለስ
የጨረታ ምድብ