- ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ጥራሕ ናይ ወርሒ ጥሪ ዲክሌር ዝገበርኩም ክትቀርቡ ትክእሉ
- ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ናይዚ ዘበን ግብሪ ከፊልኩም ዝተሓደሰን ሓደ ቅዳሕ ዘቅርብ
- መለለዩ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ዘለኩም ቅዳሕ እተቅርቡን
- መረዳእታ ዝተሓደሰ መቅረባይነት ዘለኩም ሓደ ቅዳሕ እተቅርቡን ክትወዳደሩ ትክእሉ
- ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ካብ 4 ሕዳር 2010 ዓም 3፡30 ምዉሳድ ይከኣል
- ሰነድ ጨረታ መወዳደሪ ዋጋ መሊእኩም ብዝተኣሸገ ፖስታ ኣብ ሆስፒታልና ቅድስት ማሪያም ከይዲ ስራሕ ዕድጋን ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረት ካብ 4 ሕዳር 2010 ዓም ይከኣል ክሳብ 19 ሕዳር 2010 ዓም ምእታዉ ይከኣል
- መክበሪ ጨረታ 5,000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይዉን ብ ሲፒኦ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ክተትሕዙ እትክእሉ
- ጨረታ ዝዕሸገሉ ዕለት 19 ሕዳር 2010 ዓም ሰዓት 3 ፡30 ቅድሚ ቀትሪ ይከዉን
- ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 19 ሕዳር 2010 ዓም ሰዓት 3:45 ይከዉን ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት
- ዘድሊ መረዳእታን መክበሪ ጨረታን ኣመሊኡ ኣብ እዋን ጨረታ ዘይተረከበ ተወዳዳሪ ከመዘሎ ተሓሲቡ ክወዳደርን ንዝሰዓሮ ከቅርብን ይግደድ
- ተጫረቲ ንሰዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጋዕዝያ መፅዐንን መራገፍን ናብቲ ሆስፒታል ኣታዊ ይገብር
- ተጫረቲ ካብ ዘቅርብዎ ሰነድ ጨረታ ማህተም ፊርማ በዓል ዋናን እንተዘይሃሊዎ ስርዝ ድልዝ እንተኮይኑ ተቀባልነት ኣይህልዎን
- እቲ ሆስፒታል ዝሓሸ ኣመራፂ እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ
- ንተወሳኪ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0347752212 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል
- እቲ ሆስፒታል ኣብ በዝሒ ቀሪቡ ዘሎ 20 ሚእታዊ ናይ ምዉሳክ ወይ ምቅናስ መሰል አለዎ እዩ
መመለስ