1 ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ ናይ ስራሕ ተኮናተራይነት ዝተዉሃበ ናይ ኮንስትራክሽን ፍቃድ ማለት እዉን ብቅዓት መረጋገፂ :ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ : ዝተሐደሰ ምዝገባ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር መረዳእታ መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ማላት: እዉን ቲን ናምበር ተወሳኪ እሴት ታክስ መዝጉባት ምካኖም ዘርኢ ወረቀት ምስክርት ክተቅርቡ እትክእሉን ናይ ዝሐለፈ ወርሒ ማለት እዉን ወርሒ ሐምለ ተወሳኪ እሴት ታክስ ሒሳብ ዝገበርሉ መረዳእታ ዝተሐደሰ ካብ ቤት ፅሕፈት ቁጠባ ማለት እዉን ልምዓት ድኣንት ኣፍልጦ ዝተዉሃቦ ዋና መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ
2 ብረጃ ብርኪ 9 ንዝሳተፉ ተጫረቲ ብቤት ፅሕፈት ህንፀት ምምሕዳር መጎዓዝያን ወረዳ ቆላ ተምቤን ዝተዉሃበ ናይ ተኮናተርቲ ብቅዓት መረጋገፂ ዝሐዙ ጥራሕ ክሳተፉ አለዎም
3 መከበሪ ዉሕስና ጨረታ ካብዞም ቀፂሎም ብሓዲኡ መልክዕ ዝቀርብ ኮይኑ ብጥረ ገንዘብ ወይ ብኢትዩጰያ ቤሄራዊ ባንኪ ካብ ዝተፈቀደሎም ዝተፈለጡ ባንኪታት ፋይናንሳዊ ትካላት ዝዉሃበ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ዉሕስና ባንኪ ወይ ፋይናንሳዊ ትካላት ብዘረጋገፅኦ ቼክ ማለት እዉን ስፒኦ 40000 ቅርሺ ከቅርቡ አለዎም
4 ተጫረቲ ናይ ዝጫረትሉ ፕሮጀከት ሰራሕቲ ሳይት ማለት እዉን ቦታ ካብ ዝተረከብሉ ዕለት ጀሚሮም አብ ዉሽጢ 90 ተከታታሊ መዓልቲታት ማለት እዉን ቀዳም ሰንበት ካላንደርን ሓዊሱ ሙሉእ ብሙሉእ ዛዚሞም ከረክቡ ዝክእሉ
5 ኩሎም ተጫረቲ ካብ 15/1/2018 ዓም ጀሚሮም ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ቆላ ተምቤን መዓደጊ ሰነድ ዘይምለስ 1000 ቅርሺ ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ህንፀት ምምሕዳር መጎዓዝያ ወረዳ ቆላ ተምቤን ከይዲ ስራሕ ቁፅፅር ዶዛይን ስራሕቲ ህንፀትን ክወስዱ ይክእሉ
5 ተጫረቲ ዝጫረትሉ ፕሮጀከት ፋይናንሻል ደኩመንት ማለት እዉን ሰነድ ዋናን ክልተ ቅዳሕን ዝርዝር መዓቀኒታት ማለት እዉን እስፐስፊኬሽን ከምእዉን ምስ መምርሒ ዝፈቅዶ ካልኦት ክመልኡ ዝግቦኦም ሰነዳት ማለት ደኩሜንታት ናይ ስራሕ ተኮናተርቲ ዝተዉሃቦም ብቅዓት መረጋገፂ ፍቃድ ስራሕ ናይ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ መረዳእታ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተወሳኪ እሴት ታክስ ሒሳብ ዘወራረድሉ መረዳእታ ወረቀት ምስክር ደኣንት ማለት እዉን ደቀቅሪን ኣናሽተይን ትካላት ንግዲ ኣብ ዝተፈላለየ ፖስታ ብምዕሻግ ኣብ ልዕሊ እቲ ፖስታ ዋናን ቅዳሕን ፈላሊዩም ብምፅሓፍ መሊሶም ኣብ ካሊእ ዓብይ ፖስታ ብምዕሻግ ኣብ ልዕል እቲ ፖስታ ሽም ዝጫረትሉ ፕሮጀክትን ኣድራሻን ብዝርአ ቀለም ብምፅሓፍ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ህንፀት ምምሕዳር መጎዓዝያ ወረዳ ቆላ ተምቤን ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ከሳብ 5/2/2018 ዓም ልክዕ ሰዓት 3:00 ቅድሚ ቀትሪ ብኣካል ብምምፃእ ከእተዉ ይክእሉ
6 ተጫረቲ ኣብ ሰነድ ጨረታ ዝቀረቡ ቅጥዕታት ብትክልል መሊኦም ኣብ ነብሰ ወከፍ ገፅ እቲ ሰነድ ማለት እዉን እቲ ደኩመንት ሽም ፊርማ ማህተም ብምግባር ቅደም ሰዓብ እቶም ሰነዳት ደኩመንታት እነተይኣዛዘብዑ እቲ ሰነድ ከምቲ ክሸይጥ ከሎ ዝነበረ ከየኣጎዳሉ ከቅርቡ አለዎም
7 እቲ ጨረታ ኩሎም ከይዲ ጨረታ ክሪኡ ዝደልዩ ተጫረቲ ኣብ ዝተረክበሉ 5/2/2018 ዓም ልክዕ ሰዓት 3:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 3:30 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ቤት ፅሕፈት ህንፀትን ምምሕዳር መጎዓዝያን ወረዳ ቆላ ተምቤን ይክፈት
8 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሻ ካሊእ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ሙሉእ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ቤት ፅሕፈት ህንፀትን ምምሕዳር መጎዓዝያን ወረዳ ቆላ ተምቤን 0914102293 / 0914437017
ድሕሪት