ዕለት:- 10/12/2017
ቁፅሪ፦ HACTT 001011/2017
ምልክታ ግልፂ ጨረታ ስራሕቲ ህንፃ ኮንስትራክሽን
ማሕበር ኣክስዮን ኮንስትራክሽን፣ ንግድን ኢንዳስትሪን ሆርን ኣፍሪካ ኣብ ከተማ ዓብይዓዲ ዝርከብ ዲዛይን ዝፀደቐሉ ናይ ቀለምን ኳርቲዝን ፋብሪካ ህንፀት ስራሕቲ ብሓፈሻዊ ኮንትራክተር (General contractor) ደረጃ 5 ልዕሊኡን ወይ ብህንፃ ኮንትራክተር (Building contractor) ደረጃ 4 ልዕሊኡን ንምስራሕ ስለ ዝደለና በቲ ዘፈር ዝተሓደሰ ሕጋዊ ፍቓድ ዘለዎም ናይ ትካልና ሰብ ብፅሒት ዝኾንኩም ኮንትራክተራት ኣብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ ይዕድም።
ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግብኡ ረቋሓታት
1. ናይ 2017 ዓ/ም ፍቓድ ስራሕ ዘሓደሰ፣ ናይ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቓድ ንግዲ ስራሕ ዘለዎ፣ ናይ ተወሳኺ እሴት ታክስ ሰርተፊኬት፣ ቲን ቁፅርን ካልኦት ኣገደስቲ ዝበሃሉን ካልኦት ኣብቲ ጨረታ ሰነድ ዝተገለፁ ሕጋዊ መረዳእታታትን ፎቶ ኮፒ ኣተሓሒዙ ዘቅርብ፤
2. ድሌት ዘለኩም ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ብሶፍት ኮፒ ካብ ቤት ፅሕፈትና ኣብ ከተማ መቐለ ጥቃ ኣክሱም ሆቴል ዝርከብ ሰላም ሲቲ ሴንተር ህንፃ ሓምሻይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 505 ዘይምለስ ብር 1,000.00 (ሓደ ሽሕ) ብምክፋል ክገዝኡ ይኽእሉ፤ ሰነድ ጨረታ ብስሩዕ ዘይገዝአ ኣብዚ ጨረታ ክሳተፍ ኣይኽእልን፤
3. እቲ ጨረታ ክፍቲ ኮይኑ ዝፀንሐሉ ግዘ ክሳብ ዕለት 19/12/2017 ዓ/ም ሰዓት 4፡30 ረፋድ ኾይኑ ቀዳም ቅድሚ ሰዓት ሓዊሱ ኣብ ዘለው ኩሎም ናይ ስራሕ መዓልትን ሰዓትን ምዃኑ ፈሊጦም ሰነድ ጨረታ ምዕዳግ ይኽእሉ።
4. ተጫረቲ ሰነድ ጨረትኦም ቴክኒካልን ፋይናንሻልን ነኒ በይኑ ዶክመንት ሓደ ዋናን ሓደ ፎቶ ኮፒ ጨረታ ሰነዳት ኣብ ዝተፈላለዩ ፖስታታት ብምዕሻግ መሊሶም ክልቲኦም ሰነዳት ኣብ ካሊእ ዓብይ ፖስታ ብምዕሻግ ኣብቲ ልዕሊ ፖስታ ሽም ዝጫረትሉ ፕሮጀክትን ኣድራሻን ብዝረአ ቐለም ብምፅሓፍን ንቤት ፅሕፈትና ክሳብ ዕለት 19/12/2017 ዓ/ም ሰዓት 4:30 ናይ ቅድሚ ቐትሪ ብኣካል ብምምፃእ ከእትዉ ይኽእሉ፤
5. እቲ ጨረታ ኩሎም ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ወይ ወኪል እንተድኣ ዘይተረኺቦም እውን እንተኾነ ዕለት 19/12/2017 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4:30 ናይ ቅድሚ ቐትሪ ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት 19/12/2017 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 5:00 ናይ ቅድሚ ቐትሪ ኣብ ቤት ፅሕፈትና ክኸፈት እዮ።
6. መኸበሪ ጨረታ ብር 100,000.00 (ሓደ ሚኢቲ ሽሕ ብር) መጠን ካብዚ ንታሕቲ ዝተገለፀ ኾይኑ ካብ ዝተፈለጠ ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ ባንኪ ንልዕሊ 90 መዓልቲ ዝፀንሕ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ውሕስና ወይ ሲፒኦ ከትሕዙ ይግባእ።
7. ትካልና ካልእ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፤
8. ካልኦት ኣብዚ ምልክታ ጨረታ ግልፂ ዘይኮኑ ሓበሬታ እንትህልዉ ኣብ ጨረታ ሰነድ ብዝርዝር ምርኣይ ይከኣል።
ተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 091-470-6122/091-403-5382 ምርካብ ይከኣል፡፡
ድሕሪት