ምልክታ ጨረታ
ሞገድ ኢንጂነሪንግን ኮንስትራክሽንን ሓላ/ዝተ/ውል/ማሕበር ኣብ ኣሸጎዳ ከባቢ ንዝሃንፆ ናይ ኣሉሚንየም ፋብሪካ ናይ ቀለምን ኳርትዝን ስራሕቲ ብናይ ኮንስትራክሽን ፍቃድ ደረጃ GC-8ን ልዕሊኡን ብርኪ ፍቓድ ዘለዎም ኣብ ካልኦት ፕሮጀክትታት ብተመሳሳሊ ዝሰራሕኩም፤ ተኮናተር ዝኮንኩም ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከሰርሕ ይደሊ።
➢ ተጫረቲ ኣብቲ ጨረታ ንምስታፍ እዞም ዝስዕቡ ረቋሕታት ከማልኡ ኣለዎም።
1. ናይ 2017ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድን ፣ብቕዓት መረጋገፅን መቅረባይነት ሰርትፊኬት።
2. ናይ 2017 ዓ/ም ዝተሓደሰ ብቅዓት መረጋገፂ ሰርትፊኬት /ደረጃ ስራሕ ፍቓድ / መረዳእታ ከቕርብ ዝኽእል ።
3. ናይ VAI ምዝገባ ወረቐት ምስክር ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ቫት ዲክለራሽን መረዳእታ ዘለዎ።
4. ናይ ጨረታ ውሕስና ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ (Unconditional Guarantee) CPO ብር 10,000.00 (ዓሰርተ ሽሕ) ከትሕዝ ዝክእል።
5. ኩሎም ተጫረቲ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 23/11/2017 ጀሚሩ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ናይሌክስ ህንጻ ጥቃ ዓብዪ ንግዲ ባንክ ዘሎ 1ይ ደብሪ ቢሮ ብምምፃእ ክወስዱ ይኽእሉ እዮም ።
6. ተጫረቲ ናይቲ ፕሮጀክት ዋጋ (ፋይናንሻል) ዶክመንት ኦርጂናልን ኮፒን ኣብ ዝተዓሸገ ፖስታ ብምግባር ኣብቲ ናይ ድርጅትና ቤት ፅሕፈት ቢሮ ክሳብ ዕለት 26/11/2017 ዓ/ም ናይ ምሸት ሰዓት 10:30 ኣታዊ ክገብሩ ኣለዎም።
7. ተጫረቲ ኣብቲ ናይ ጨረ ሰነድ ዝቀርቡ ቅጥዒ ብትክክል መሊኦም ኣብ ሕድሕድ ገፅ እቲ ዶክመንት ፈሪሞምን ሓቲሞምን ከቕርቡ ይግባእ ኣብቲ ናይ ጨረታ ቅጥዒ ስርዝ ድልዝ እንተሃልዩዎ ተቐባልነት የብሉን ።
8. እቲ ጨረታ ዕለት 26/11/2017 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 10:30 ተዓጽዩ ድሕሪ ቴክኒካል ዓቅሚ ምዘና ዕለት 01/12/2017 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 04:00 ናይ ቅድሚ ሰዓት ድማ ፋይናንሻል ሰነድ ኣብቲ ናይ ድርጅት ቢሮ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረከብሉ ይኸፈት። ኣብ ትካልና ብኣካል ናይ ዘይተረከበ ተጫራታይ እውን ናይ ምክፋት መሰሉ ዝተሓለወ እዩ ።
9. ሞገድ ኢንጂነሪንግን ኮንስትራክሽንን ሓላ/ዝተ/ውል/ማሕበር ካሊእ ዝሓሽ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ድማ ብከፊል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።
10. ንተወሳኪ ሓበሬታ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ናይሌክስ ህንጻ ጥቃ ዓብዪ ንግዲ ባንክ ዘሎ 1ይ ደብሪ ብኣካል ብምቅራብ ወይ ድማ ብቁፅሪ ስልኪ 0901765188/0914178628 ብምድዋል ምርካብ ይከኣል
11. ካብቶም ቴክኒካል ዓቅሚ ምዘና ናይ ተጫራታይ ቅድሚ ሐዚ ዝሰርሖም ስራሕቲ ብኣካል ምርኣይ ይርከብዎም። ድሕሪ ቴክኒካዊ ዓቅሚ ምዘና ተጫረቲ ኣብ ዝተረከብሉ ናይ ፊናንሻል ሰነድ በቲ ዝተጠቀሰ ዕለት ይክፈት።
12. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነዶም ፋይናንሻል ሓደ ኦርጂናልን ሓደ ኮፒን ኣብ ዝተፈላለየ ፖስታ ዓሺጎም ተውሳኪ ሓደ ቴክኒካል ኮፒ ንበይኑ ብምዕሻግ ጠቅላላ ኣብ ሓደ ዓብዪ ፖስታ ከቕርቡ ይግባእ።
ድሕሪት