1 ናይ 2016 ግብሪ ዝተከፈለን ናይ 2017 ዓም ዝተሐደሰ መረዳእታ ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል
2 ግብሪ ከፋሊንምኮኑ መለለይ ከፋላይ ግብሪ መረዳእታ ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል
3 ኣብ ተወሳኪ አሴት ታክስ ዝተመዝገበ ምኮኑ ክሳብ 30 ጥቅምቲ 2017 ዓም ናይ ተወሰኪ እሴት ታክስ ሒሳብ ዘፍለጠሉ መረዳእታ ናይ መቅረባይነት ዝተመዝገበሉን ብቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል
4 ጨረታ ቅድሚ ምክፋቱ መከበሪ ጨረታ ድሕሪ ዉዕሊ ምእሳር ዝምለስ ንሎት ሐደ 8000 ቅርሺ :ንሎት ክልተ 5000 ቅርሺ : ንሎት ሰለሰተ 5000 ካብ ሃገራዊ ባንኪ ኢትዩጰያ ኣፍልጦ ብዝተዉሃቦ ባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ አቀዲሞ ከትሕዝ ዝክእል
5 ኣብቲ ጨረታ ዝሰዓረ ምኮኑ ምስተነገሮ ኣብ ዉሽጢ 3 ናይ ስራሕ መዓልቲ ዉዕሊ ኣሲሩ ኣብ ተከታታሊ 10 መዓልቲ ዝሰዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ኣብ ማይጨዉ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ከቅርብ ዝክእል
6 ሰነድ ጨረታ ካብ 24 ሕዳር 2017 ዓም ክሳብ 8 ታሕሳስ 2017 ዓም ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ማይጨዉ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ቢሮ ቁፅሪ 4 ዘይመለስ 150 ቅርሺ ብምክፋል ኩሉ ግዜ ኣብ ስራሕ ቅደሚሰዓት ካብ ሰዓት 2:30 ክሰብ 6:30 ከምኡ ድማ ድሕሪ ቀትሪ ካብ 7:30 ክሳብ 11:00 ኣብ ዘሎ ግዜ ሰነድ ገዜእኩም ምዉሳድ ትክእሉ
7 ዝተወዳደርሉ ዋጋ ዋናን ቅዳሕን መሊእኩም ከም ኡድማ ዝወሰድክምዎ በዓል 26 ገፅ ሰነድ ጨረታ ኣብ ሕድሕድ ገፅ ናይ ተጨረታ ፊርማን ማሕተምን ብምግባር ብምትሕሓዝ ብዝተዓሸገ ፖስታ ኣብ ኮሌጅ ፖሊ ቴክኒክ ማይጨዉ ቢሮ ቁፅሪ 4 አብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ክተእትዉ ትክእሉ
8 ጨረታ 8 ታሕሳስ 2016 ዓም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት 8 ታሕሳስ 2017 ዓም ሰዓት 4:30 ቅድም ቀትሪ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረከብሉ ኣብ ማይጨዉ ፖሊ ቴክኒክ ኮሌጅ ቢሮ ቁፅሪ 4 ይክፈት
9 ንሐደ ንብረት ክልተን ልዕሊኡን ክልተ ተወዳደርቲ ማዕረ ዋጋ ተመሊኦም ዳግም ክወዳደሩ ይግበር ሕዚ እዉን እዉን መዕረ እንተመፂኦም ብዕጫ ይፍለዩ
10 ኣብ ጨረታ ሲዒሩ ዉዕሊ ንምእሳር ፍቃደኛ ዘይኮነ ተጫራቲ መከበሪ ጨረታ ዘትሓዞ ገንዘብ ኣይምለሰሉን
11 ኣብ ዋጋ መምልኢ ቅጥዒ ስርዝ ድልዝ ኣይፈቀድን ስርዝ ድልዝ እንተሃልዩ ድማ ብባዕል ዋና ኣብቲ ስርዝ ብፊርማ ክረጋገፅ አለዎ ኣዓርዩ ዝተባላሸወ ግና ንዉድድር ኣይቀርብን
12 ናይ ሕድሕድ ንብረት መዓቀኒ ብነፀላ ወይ ብፓኬጅ ወይድማ ብጥሙር ኣስተዉዒሎም ዋጋ ይመልእ
13 ትካልና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
14 ሰዓርቲ ምኮንኩም ምስተነገረኩም ምስቲ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታዉ ብዝተዉሃበኩም ግዝ ገደብ ኣታዊ ንክተግብሩ ነፍልጥ
ንተወሳኪ 0347770028 ወይ ብፋክስ 0347770550 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል
መመለስ