1 ናይ ኣቅሑት መሳርሒ ፅሕፈት : ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ : ናይ ቢሮን ገዛን ኣቅሑትን ናዉቲ መሳርሒ ህንፃ በቢዘፈሩ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም
2 ናይ 2015 ዓም ግብሪ ከፊልኩም ናይ 2016 ዓም ናይ ትሰርሕሉ ስራሕ ዘፈር ዝተሐደሰ ፈቃድ ንግዲ ቅደሕ ክተትሕዙ እትክእሉ
3 ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ቅደሕ ክተትሕዙ እትክእሉ
4 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለይ ቁፅሪ ቅደሕ ክተትሕዙ እትክእሉ
5 ተወሳኪ እሴት ታክስ ናይ ዝተመዝገበሉ ወረቀት ምስክር ቅደሕ ክተትሕዙ እትክእሉ
6 ናይ ወርሒ ሰነ 2016 ዓም ወይ ናይ ቀረባ እዋን ሒሰብ ዘወራረደሉ ፀብፃብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ከቅርብ ዝክእል
7 ኣብ ፖስታ ዝዕሸግ ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ :ተወሳኪ እስት ታክስ ምስክር ወረቀት : ዝተሐደሰ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር : ናይ ከፈሊ ግብሪ መለለይ ቁፅሪ : ናይ ወርሒ ሰነ 2016 ዓም ተወሳኪ እሴት ታክስ ፀብፃብ ዘቅረበሉ ብግልፂ ዝረአ ቅዳሕ ኣብ ሕድሕድ ገፅ ዝተመለአ ሰነድ ጨረታ ዝርዝር መዓቀኒ መሕተምን ፊርማን ናይ ተጫራታይ ብምግባር ክከዉን አለዎ
8 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ቅዳሕ ብምግባር ዋናን ቅዳሕን ተባሂሉ ኣብ ከልተ ፖስታ ነኒ በይኑ ተዓሺጉ ኣብ ዝባኑ ምልክት ብምግባር ከቅርብ ዝክእል
9 ኣብ መንግስታዊ ጨረታ ኣብ ዝኮነ ይኩን ዝተአገደ ነዳጋይ ኣብዚ ጨረታ ክሳተፍ ኣይክእልን
10 ከይዲ ጨረታ ብዘይኣግባብ ንምዝባዕ ምፍታን ብሕጊ ዝሕትትን ጨረታ ከይሳተፍን ክሳብ ምእጋድ ዘብፅሕ ስጉምቲ ዘስዕብ ምካኑ
11 ተጫራቲ ዋጋ እንትመለእ ናይ ሐደ ዋጋን ጠቅላላ ዋጋን ኣፈላላይ ክህልዉ የብሉን አፋላላይ እንትህልዎ ዝተመለአ ናይ ሐደ ዋጋ ጥራሕ ተቀባልነት ይህልዎ
12 ተጫረቲ ዋጋ እንትመልእ ስርዝ ድልዝ ወይ ድመሳስ ክህልዎ የብሉን ስርዝ ድልዝ ወይ ድምሳስ እንተሃልዎ ድማ ባራፍ ክግበረሉ አለዎ ንምዉሳን አፃጋሚ ዝኮነ ስርዝ ድልዝ እቲ ጨረታ ካብ ዉድድር ወፃኢ ይከዉን
13 ተጫረቲ ቅድሚ ሰነድ ጨረታ ምከፋቱ ብሽም ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ማእከል ኣድያቦ ዝተሰርሐ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ወይድማ ስፒኢ ብጥረ ገንዘብ መክበሪ ጨረታ ንፅሕፈት መሳርሒ 10000 ቅርሺ ንኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ 10000 : ንናይ ቢሮ ገዛ አቅሑት 6000 ቅርሺ :ንናይ ኣቅሑት ህንፃ መሳርሒ 1000 ቅርሺ ክትሕዝ ዝክእል
14 ናይ ጨረታ ዝርዝር ሰነድ ተጫረቲ ዝሐዘ ካብ ዕለት 15/2/2017 ዓም ክሳብ ዕለት 2/3/2017 ዓም ሰዓት 3:30 ሰዓት 150 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ከይዲ ስራሕ ዕድጋ ምምሕዳር ንብረትን ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ማእከል ኣድያቦ ከተማ ዓዲ ሃገራይ ብኣካል እናመፃእኩም ሰነድ ጨረታ ክትገዝኡ ትክእሉ
15 እቲ ጨረታ ዕለት 2 /3/2017 ዓም ሰዓት 5:00 ቅድሚ ሰዓት ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 5:30 ቅድሚ ሰዓት ተወዳደርቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ማእከል ኣድያቦ ይከፈት ተወዳደርቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም በዘይምርካቦም ጨረታ ሰነድ ንምክፋት ኣይተኣጎጎልን
16 ዝሰዓረ ተጫረቲ ነቲ ዝሰዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያ ነቲ ንብረት ናብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ማእከል ኣድያቦ ከተማ ዓዲሃገራይ የረከብ
17 ሰዓራይ ዝፍለየሉ ብዝወፀ ዝርዝር መግለፂ ድለት ኮይኑ ዝተሐተ ዋጋ ካብ ዝመለአ ይከዉን ተወደዳሪ ሲዕርካተባሂሉ ካብ ዝተገለፀሉ ፋይናንሻል ዉፅኢት ብስሩዕ ካብ ዝተለጠፈሉ ዕለት ድሕሪ ቅሬታ መቀበሊ ሰለሰተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ኣብ ዉሽጢ ሰለሰተ መዓልቲ ስራሕ ዉዕሊ ክፍርምን መከበሪ ጨረታ ካብ ጠቅላላ ዋጋ ዝሰዓሮ ንብረት ዋጋ 10 ሚእታዊ ከትሕዝ ዝክእል
18 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዜ ን40 መዓልቲ ይከዉን
19 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ
ንተወሳኪ ሐበሬታ 0943661422 / 0914776221 / 0949440110
መመለስ