ኮሚሽን ሓርበኛታት ትግራይ ፀረ ባልዕ ናይ ቱካን ፣ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክነፅግ ይደሊ። ስለዚ ኣብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ ትደልዩ ነጋዶ ዝስዕብ ረቛሒ ክተማልኡ ይግባእ፡፡
  • የተለቀቀበት ቀን: ረቡዕ ሓምለ 17, 2016 (ከ 1 ወር)
  • መዝግያ ቀን: ቀዳም ሓምለ 27, 2016 04:00 ጥዋት (ተዘጋ)
  • የጨረታ ማስከበርያ ዋጋ:20 000.00
  • ቦታ: መቐለ
  • የጨረታ ደኩመንት ዋጋ:200.00
  • ጨረታ ሚከፈትበት ቀንና ሰዓት: ቀዳም ሓምለ 27, 2016 04:30 ጥዋት
  • ፀረ ባልዕን ነፍሳትን/
  • Print
  • Pdf

ምልክታ ግልፂ ጨረታ ቁፅሪ ኩ/ጉ/ስ/ት - 002

ኮሚሽን ሓርበኛታት ትግራይ ፀረ ባልዕ ናይ ቱካን ፣ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክነፅግ ይደሊ። ስለዚ ኣብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ ትደልዩ ነጋዶ ዝስዕብ ረቛሒ ክተማልኡ ይግባእ፡፡

1. ናይ 2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ

2. ናይ 2016 ዓ/ም ዝተሓደሰ መቕረባይነት ሰርቴፊኬት

3. ናይ ግብሪ ከፉላይ መለለይ ቑፅሪ TIN ሰርተፊኬት

4. ናይ ቫት ሰርቴፊኬትን

5. ናይ ወርሒ ነሓሰ /መስከረም/ 2015 ዓ/ም ቫት ዴክሌር ዝገበርኩ ሙሉ መረዳእታን ክተቕርቡ እትኽእሉ፣

6. ጨረታ ሰዓርቲ እንተኸይንኩም ዝሰዓርኩምዎ ፀረ ባልዕ ናይ ቱካን - ውዕሊ ካብ ዝኣሰርኩምዎ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 5ተ ተኸታተልቲ /ካብ ሃይማኖታዊን መንግስታዊ በዓላት ወፃኢ/ መዓልቲ ብፅሬትን መጠንን ብናይ ባዕልኹም መጓዓዝያ ናብማእኸክል መሐብሐቢ ጉዱኣት ኩናት ሰራዊት ትግራይ መለስ ኣካዳሚ ክትነፅጉ ትኽእሉ፣

7. መወዳደሪ ደኩሜንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ሽምን ኣድራሻን ዘለዎ ናይቲ ትካል ማህተምን ፌርማን ክህልዎ ይግባእ፣

8. ተጫረቲ ዘይምለስ 200.00/ ክልተ ሚኢቲ ብር/ እናኸፈልኩም ሰነድ ጨረታ ካብ ኮሚሽን ሓርበኛታት ትግራይ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምም/ር ኣብ ጥቃ ሓወልቲ ሰማእታት ወይ ደብረ ዳሞ ፊትንፊት ዝርከብ ኮሚሽን ሓርበኛታት ትግራይ ህንፃ 2ይ ደብሪ ቁፅሪ ቢሮ 205 ካብ 17/11/2016 ዓ/ም ክሳብ 27/11/2016 ዓ/ም ሰዓት 8፡00 እናመፃእኹም ክትወስዱ ትኽእሉ ምዃንኩም

9. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ውሕስና መኽበሪ ሎት-005 ናይ ፀረ ባልዕ ናይ ቱካን ብር 20 000.00/ ዒሰራ ሽሕ / ብር ብCPO ፣ ብጥረ ገንዘብ፣ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ካልእ ክተትሕዙ ትኽእሉ፣

10. እትህብዎ ዋጋ ጨረታ ካብ ዝተከፈተሉ ዕለት ጀሚሩ ን21 መዓልቲ ፀኒዑ ይፀንሕ፡

11. እቲ ጨረታ ዕለት 28/11/2016 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 400 ተዓፅዩ ብተመሳላሊ ዕለት ሰዓት 8፡30 ፀረ ባልዕ ናይ ቱካን ጨረታ ኮሚቴ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይኸፈት ፡፡

12. ተጫረቲ ሰብ ዋና ወይም ተወከልቶም እንተዘይተረኪቦም ምክፋት ከይዲ ጨረታ ኣይተኣጓጎልን ወይም ከይተከፈተ ዝምለስ ፖስታ የለን ፡፡

13. ቢሮና ነቲ ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ኮነ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ።

14. ንዝበለፀ ሓበሬታ ብኣካል ኣብ ጥቃ ሓወልቲ ሰማእታት ወይ ደብረ ዳሞ ፊትንፊት ዝርከብ ኮሚሽን ሓርበኛታት ትግራይ ህንፃ 2ይ ደብሪ ቁፅሪ ቢሮ 205 ህንፃ ቢሮ ቁፅሪ 205 ወይድማ ብስልኪ ቁፅሪ 0942274646 ደዊልኩም ምሕታት ትኽእሉ ኢኸም ።


ስ.ቑ፡- 03 44 40 54 14

መመለስ
የጨረታ ምድብ