ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ሓዉዜን ካብ ናይ UINDP for Peace Support Program ንቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ 2016 ዓም ኤሌክትሮኒክስ :ላፕቶፕ :ዲስክቶፕ ኮምፒተር: ፕሪንተራት : ሃይ ባክቸር :ማእከላይ ስፒከር : ዊልቸር ብኣላሙኒየም : ክራንች ብኣለሙኒየም ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩም ክዕድግ ይደሊ

1 በቲ ዘፈር ናይ 2016 ዓም ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለዎ : ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮነ  : ዝተሐደሰ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት እዉን ዘለዎ ናይ 2016 ግብሪ ዝከፈለመረዳእታ  ናይ ተወሳኪ አሴት ታክስ ተመዝጋቢ ዝኮነ ከምእዉን ናይ ወርሒ መጋቢት  2016 ዓም ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ሒሳብ ዘቅረበሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

2 ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ንኤሌክትሮኒክስ ማለት እዉን ላፕቶፕ :ዲስክቶፕ ኮምፒተር: ፕሪንተራት :ማእከላይ ስፒከር  መከበሪ ጨረታ 25000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ  ከትሕዝ ዝክእል

3 ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ሃይ ባክቸር ወይ እዉን ዊልቸር ብኣላሙኒየም : ክራንች ብኣለሙኒየም መከበሪ ጨረታ 6000 ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ  ከትሕዝ ዝክእል

4 እቲ ዘይሰዓረ ተጫራታይ መከበሪ ጨረታ ቢድ ቦንድ ሰዓራይ ምስተገለፀ ብመምርሒ ዕደጋ መሰረት ይምለሰሉ

5 ንኤሌክትሮኒክስ ማለት እዉን ላፕቶፕ :ዲስክቶፕ ኮምፒተር: ፕሪንተራት : ሃይ ባክቸር :ማእከላይ ስፒከር : ዊልቸር ብኣላሙኒየም : ክራንች ብኣለሙኒየም 27/10/2016 ዓም ጀሚሩ ዝርዝር ሰነድ ጨረታ ብምዕደጋ ኣብ ናይ ባዕልና ዝተዳለወ ሰነድ ብምምላእ ዋናን ቅዳሕን ነንበይኑ ኣብ ዝተፋለለየ ፖስታ ዓሺጎም ፊርማን ማህተምን ተገይርሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት ምምሕዳር እቶትን ፋይናንስን ወረዳ ሓዉዜን ቁፅሪ 2 ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ይኣትዉ

6 ንኤሌክትሮኒክስ ማለት እዉን ላፕቶፕ :ዲስክቶፕ ኮምፒተር: ፕሪንተራት   :ማእከላይ ስፒከር  ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕፀወሉ ድማ 12/11/2016 ዓም ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ ሽዑ ንሽዑ ሰዓት 8:30 ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ሓዉዜን ክፍሊ ቁፅሪ 2 ይክፈት ተጫረቲ ባዕሎም ወይ  ሕጋዊ ወከልቶም ተዘህልዉ ይምረፅ እንተዘይሓሊዎም ግና ዘይተከፈተ ዝምለስ ፖስታ ኣይህሉን

7 ሃይ ባክቸር ወይ እዉን ዊልቸር ብኣላሙኒየም : ክራንች ብኣለሙኒየም ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕፀወሉ ድማ 15/11/2016 ዓም ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 8:00 ተዓፅዩ ሽዑ ንሽዑ ሰዓት 8:30 ኣብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ሓዉዜን ክፍሊ ቁፅሪ 2 ይክፈት ተጫረቲ ባዕሎም ወይ  ሕጋዊ ወከልቶም ተዘህልዉ ይምረፅ እንተዘይሓሊዎም ግና ዘይተከፈተ ዝምለስ ፖስታ ኣይህሉን

8 ሰዓራይ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲታት ኣብ ቤት ፅሕፈት ብኣካል መፂኡ ዉዕሊ ይኣስር

9 ዝርዝር መረዳእታ ዝሐዘ ሰነድ ዘይምለስ 200 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ሓዉዜን ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ክፍሊ ቁፅሪ 2 ምዉሳድ ይከኣል

10 ሰዓራይ ጨረታ ዉዕሊ እንትኣስር ካብ ዝሰዓሮ ጠቅላላ ዋጋ 10 ሚእታዊ መከበሪ ዉዕሊ ክትሕዝ ዝክእል ምካኑ ክፍለጥ አለዎ

11ሰዓራይ ዉዕሊ ኣሲሩ ንብረት አታዊ ዘይገበረ ብነብሰወከፍ መዓልቲታት 1/1000 ተቀፂዑ እቲ ዝሰዓሮ ንብረት አታዊ ይገበር

12 ተጫረቲ ካብ ዝተመለአ ዝርዝር ዋጋ ዝተሐተ ብምዉሳድ ሰዓራይ ዘፍለጥ ምካኑ ኣሚኖም ክወዳደሩ አለዎም

13 እቲ ጨረታ ብዝተፋለለየ መልክዑ ከዛብዕ ዝፈተነ ተጫራታይ እቲ ቤት ፅሕፈት ካብ ጨረታ ወፃኢ ገይሩ ንቀፃሊ ክይሳተፍ  ይገብር

14 ተጫረቲ ድሕሪ ሳንዱቅ ጨረታ ምክፋቱ ጨረታ ኣይሳተፍን ምባል ኣይፍቀድን ወይ እዉን ኣይክእልን እዚ እንተይሉ ድማ ዘትሓዞ መከበሪ ጨረታ ናብ ካዝና መንግስቲ አታዊ ይከዉን

15 ሰዓራይ ንዝሰዓሮ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዓዚ ብምሽፋን ኣብ ፅሕፈት ልምዓት እቶትን ምምሕዳር ፋይናንስን ወረዳ ሓዉዜን ክፍሊ ቁፅሪ 2 አታዊ ይገብር

16 ሰነድ ጨረታ እቲ ቤት ዕዩ ባዕሉ ካብ ዘዳለዎ ቅጥዒ ወፃኢ ምጥቃም ኣይፍቀድን ብመምርሒ መሰረት ኣብ እንዕድጎ ንብረት  ኣይተም ብኣይተም እቲ ቤት ፅሕፈት 20 ሚእታዊ ክንኪ ወይ እዉን ክዉስክ ከም ዝክእል ክፈልጡ አለዎም

17 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ  0914101196

መመለስ
የጨረታ ምድብ