https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/960
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ጋንታ ኣፈሹም አብ 2008 በጀት ዓመተ ንግልጋሎት ኣብያቲ ፅሕፈት ወረዳና ዝዉዕሉ ዝተፋላለዩ ዓይነት ንብረት መሳርሒ ፅሕፈት ፣መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና ፣ ዝተፈላለዩ መፃሕፍትን፣ ፎቶ ካሜራ ፣ብቦጥ ማይ ናብ ጣብያ ምጉዕዓዝን፣ ዘርእን እንትኮኑ ኣወዳዲሩ ብግልፂ ጨረታ ክዕድግን ከስርሕን የደሊ በዚመሰረት ቀፂሎም ዝግለፁ ረቋሕታት እተማልኡ ሕጋዉያን ነጋዶ ክትወዳደሩ ይዕድም
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ሕዳር 23, 2008 (ልዕሊ 10 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ታሕሳስ 11, 2008 06:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:
  • ቦታ:https://tenders.milkta.com/ti/tenders/location/
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ታሕሳስ 11, 2008 06:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ስራሕቲን ውፅኢት ሕርሻ/ መፅሓፍቲን ትምህርታዊ መሳርሕታት/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ትራንስፖርት ግልጋሎት/ ጥዕና ተንከፍ አቁሑትን ኣክሰሰሪ/

ብድጋሜ ዝወፀ ጨረታ

  1. ዝተሓደሰ መለለዩ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ፣በቲ ዘፈር ዝተሓደሰ ናይ 2008 ዓ ም ፍቃድ ንግዲ   ፣ንመለዋወጢ አቁሑት መኪና ፣ፎቶ ካሜራን ምዝገባ ቫት  ፣ናይ ወርሒ ጥቅምቲ ሒሳብ ዘፍለጠሉ ወይ ዲክላራሽን ከምኡዉን ዝተሓደሰ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት
  2. ንሰነድ ጨረታ  ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ኣብ ቤት ፀሕፈት ትልምን ፋይናንስነ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ወረዳ ጋንታ ኣፈሹም ምዉሳድ ይከኣል
  3. መክበሪ ጨረታ ናይ ፅሕፈት መሳርሕን መለዋወጢ መኪና ንፎቶ ካሜራ  ንማይ መጎዓዓዚ መኪና 5000 ቅርሺ፣ ንኣቁሑት ሕክምናን ዝተፈላለዩ መፅሓፍትን ዘርእን 3000 ቅርሺ ብጥረገንዘብ ወይእዉን ብሲፒኦ ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ብዝወሃበ ዝተረጋገፀ ቼክ ተጫረቲ ከትሕዙ ኣለኩም
  4. ሳነዱቅ ጨረታ ዝርከበሉ ቦታ ቤት ፀሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ጋንታ ኣፈሹም  እንትከዉን ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 21 ሕዳር 2008 ዓም ጀሚሩ ንተጨረቲ ክፍቲ ይከዉን
  5. ጨረታ 11 ታሕሳስ 2008 ዓ ም ሰዓት 8 ፡00 ናይ ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 8 ፡30 ናይ ድሕሪ ቀትሪ ተጫረቲ ወይዉን ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት
  6. ሰነድ ጨረታ ዝተዳለወሉ ቋንቋ ትግርኛ እዩ
  7. እቲ ናይ ጨረታ መዓልቲ በዓል እንተዉዒሉ ኣብ ዝቅፅል መዓልቲ እቲ ጨረታ ይካየድ
  8. ተጫረቲ ናይ ዘቅርብዎ ንብረት ክፍሊት ንክፍፀም ዘቅርብዎ ንብረት ብባዓል ሞያ ተረጋጊፁ ምስሓለፈ ይከዉን

ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይንድማ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344451137 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል