https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/9274
ቤት ማዘጋጃ እንትጮ ኣብ 2012 በጀት ዓመት ናይ 1ይ ፍርቂ ዓመት ዝተፈላለዩ ዓይነት ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ፣ኤሌክትሮኒክስ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ ዝምልከተኩም ሕጋውያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ይዕድም።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሶኒ ሕዳር 1, 2012 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ሕዳር 17, 2012 08:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:10000
  • ቦታ:እንትጮ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:150
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ሕዳር 17, 2012 08:30 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/

1 ብዘርፉ ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ፍቃደ ዘሐደስኩም፤

2 ካብ ትልምን ፋይናንስን ዝተሓደሰ ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ዘለኩም ቫት ዝተመዝገብኩምን እቶትኩምን ናይ ነሓሰ 2011ዓ/ም ዘፍለጥኩምን፤

3 መለለይ ቲን ቁፅሪ ዘለኩምን ንክትወዳደሩ እንትንዕድም፤

4 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ ንሕድሕዶም 150.00 ብር ብምኽፋል ካብ እንትጮ ከ/ስ/ዕ/ፋይ/ምም/ር/ንብረት ምውሳድ ይከኣል።

5 ተጫረቲ ጨረታ ቅድሚ ምኽፋቱ መኸበሪ ጨረታ /ቢድ ቦንድ/ ነንሕድሕዶም 10000.00 ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ከትሕዝ ዝኽእል፤

6 ጨረታ ኣሸናፊ ምስተፈለጠ ኣብ ውሽጢ 5ተ መዓልቲ ውዕሊ ዝኣስር ፤

7 ናይ ጨረታ ሰነድ እዚ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት 27/02/2012 ዓ/ም ጀሚሩ ኩሉ ግዜ ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ካብ ቤት መዘጋጃ ከተማ እንትጮ ደ/ከ/ስ/ዕ/ፈይ/ምም/ር/ንብረትን 15ተተኸታተልቲ ናይ ስራሕ መዓልቲ ምወሳድ ይከአል።

8 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድኩም ብዝተዓሸገ ፖስታ ነዚ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቅ ክተእትው እትኽእሉን ስርዝ ድልዝ ተቀባልነት የብሉን።

9 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 17/03/2012 ዓ/ም ሰዓት 8:00 ቅ.ቀትሪ ዝኽፈተሉ ድማ 8:30 ቅ/ቀትሪ ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረኸብሉ ወይ በማመልከቻ ኣብ ዝተረኸበሉ ወይ ብመምርሒ መሰረት ይኽፈት።

10 እዚ ዋጋ እዙይ ን60 መዓልቲ ፀኒዑ ይፀንሕ።

11 ፅ/ቤትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኩን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 03 44 49 14 40  ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።