https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/8297
ቤት ፍርዲ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ንዝተፈላለዩ ኣገልግሎት ዝውዕሉ ብዝተፈላለዩ ዘርፍታት ማለት ውን ሃለቅትን ቀወምትን ንብረታት ከም ኤሌክትሮኒክስ፣ መሳርሒ ፅሕፈት፣ ኣቅሑት ፅሬት ፣ መሳርሒ ህንፃ፣ ኣቁሑት ፈርኒቸርን ፣ ናውቲ ሕትመት ሞተር ሳይክላትን፣ መጋረጃን፣ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ ነሓሰ 28, 2011 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ መስከረም 15, 2012 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:4000
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:30
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ መስከረም 15, 2012 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ህንፃ መሳርሒ/ ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ናይ ሕትመት ኣቁሑትን/ ዕድጊት ሞተርሳይክል/ ጨርቃ መርቂን ኣልባሳትን/

ስለዚ ነዞም ረቋሕታት እተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም።

1 ናይ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ክተማልኡ ትኽእሉ፤

2 ቲን ናምበር (መለለይ ቁፅሪ) ከፋላይ ግብሪ ወረቀት ምስክር ክተቅርቡ ትኽእሉ፤

3 ተወሳኺ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ ትኽእሉ፤

4 ናይ ወርሒ ሰነ 2011ዓ/ም ሒሳብ ዘወራረድኩምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ ትኽእሉ፤

5 ናይ 2010ዓ/ም ዝተሓደሰ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ክተቅርቡ ትኽእሉ፤

6 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ንተኸታተልቲ 45 መዓልትታት ይኸውን።

7 ተጫረቲ እትመልእዎም ዋጋ ተወሳኺ እሴት ታክስ ዝሓወሰ ክኸውን ይግባእ። ኣብቲ ሰነድ ዘየማልአ ተጫረቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ከምዝሓወሰ ተገይሩ እቲ ሰነድ ይውሰድ።

8 መወዳደሪ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ሽም፣ ኣድራሻ፣ ናይቲ ትካል ማህተምን ፊርማን ክህልዎ ይግባእ።

11 ተጫረቲ መኸበሪ ውሕስና ጨረታ ንመሳርሒ ፅሕፈትን ኤሌክትሮኒክስን 4000.00 ቅርሺ፣ ኣቅሑት ፅሬት ፣ ሞተርሳይክላት፣ መጋረጃን ፣ መሳርሒ ህንፃ ፣ ፈርኒቸር ፣ሕትመት 2000.00 ቅርሺ፣ ሕጋዊ ውሕስና ካብ ዘለዎም ባንኪ ብሲፒኦ መኸበሪ ጨረታ ክተትሕዙ ኣለኩም።

13 ሰዓራይ ተጫራታይ ውዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ዝሰዓሮ ንብረት መሊኡ ኣብ ውሽጢ 10ተ ተከታታሊ ናይ ሰራሕ መዓልቲ ከቅርብ ዝኽእል

12 ሰዓራይ ተጫረታይ ሰዓራይ ምዃኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ናይ ዝሰዓሮ ጠቅላላ ዋጋ 10% መኸበሪ ውዕሊ ብምትሓዝ ኣብ ውሽጢ ተኸታተልቲ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልታት ብኣካል ቀሪቡ ውዕሊ ክኣሰር ኣለዎ።

9 እቲ ጨረታ 30/12/2011ዓ/ም ክሳብ 14/01/2012ዓ/ም ተጫረቲ ዘይምለስ 30.00 ቅርሺ እናኸፈልኩም ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፍርዲ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ከተማ ሸራሮ ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋ/ምም/ር /ንብረትን  ምውሳድ ይከአል።

10 እቲ ጨረታ 15/1/2012ዓ/ም ሰዓት 4:00 ናይ ንጉሆ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ኣብ ቤት ፍርዲ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ከተማ ሸራሮ ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋ/ምም/ር /ንብረትን ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት ይኹን ምበር ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ብዘይ ምህላዎም ከይተኸፈተ ዝፀንሐ ሰነድ ጨረታ ኣይህሉን።

14 ተወዳደርቲ ዝሰዓርዎ ንብረት ብናይ ባዕሎም መጓዓዝያ ናብ ቤት ፍረዲ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ክገብሩ ኣለዎም።

15 እቲ ትካል ተጫረቲ ኣብ ዝሰዓርዎ ነብሲ ወከፍ ንብረት 20% ክውስኽን ክንኪን ይኽእል እዩ ።

16 እቲ ትካል ነቲ ጨረታ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንዝበለፀ ሓበሬታ 0345-500604/0919-005940