https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/8265
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ኣክሱም ኣብ በጀት ዓመት 2012ዓ/ም ንሴክተራት ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ መሳርሒ ፅሕፈት፣ ኣቅሑ ኤሌክትሮኒክስ፣ ፣ ሞተር ሳይክልን ናይ ሞተር ሳይክልን መለዋወጢ ፣ ስራሕቲ ሕትመት፣ ኣቅሑት ህንፃ፣ ደንቢ ክዳን፣ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም ነሓሰ 25, 2011 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ መስከረም 5, 2012 03:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5000
  • ቦታ:ኣክሱም
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ መስከረም 5, 2012 04:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ህንፃ መሳርሒ/ ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ኤሌክትሮ-መካኒክስ ኣቁሑትን ግልጋሎትን/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ናይ ሕትመት ስራሕቲ/ ዕድጊት ሞተርሳይክል/ ጨርቃ መርቂን ኣልባሳትን/

ነዞም ዝስዕቡ ረቋሒታት እተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም።

1 ናይ 2011/12ዓ/ም ዝተሐደሰ ኣግባብነት ዘለዎ ፍቃድ ንግዲ ዘቅርብ፤

2 ናይ2011/12 ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት መለለይ ካርድ ዘቅርብ፤

3 ወረቀት መለለይ ምስክር ከፈልቲ ግብሪ ዘለዎ፤

4 ተመዘገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ጥራሕ ዝኮንኩም

4 ናይ ወርሒ ሓምለ 2011 ዓ/ም ሒሳብ ዘፍለጠሉ መረዳእታ ዘቅርብ ተጫረቲ ዘይምለስ 100.00 ቅርሺ እናከፈለኩም ሰነድ ጨረታ ካብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስ ንብረት ምምሕደርን ከተማ ኣክሱም ክፍሊ ቁፅሪ 15 ምዉሳድ ይክእሉ።

5 ኣብ ዝቀረበ ሰነድ ጨረታ ናይ ባዕልካ ረቋሒ ስፔስፌኪሽን ምዉሳክ ይኩን ምቅናስ ምስራዝ ኣይፍቃድን።

6 ተጫረቲ ሰዓርቲ ምዃኖም ካብ ዝተገለፀሎም ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስሩ አለዎም።

7 መከበሪ ጨረታ ደንቢ ክዳንን ኣቁሑ ህንፃን  ብር 2000.00 ፣ መሳርሒ ፅሕፈት ፣ ኤሌክትሮኒክስ ፣ ኣቁሑ ፅሬት ፣ ስራሕቲ ሕትመት ፣ ሞተር ሳይክልን ፣ መለዋዋጢ ሞተር ሳይክልን 5000.00 ብስፒኦ ወይድማ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል፤

8 ሰዓርቲ መከበሪ ዉዕሊ 10 % ከትሕዙ አለዎም።

9 ተጫረቲ ዝሰዓርዎ ንብረት ኣብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ንሕትመት ከም ኣድላይነቱ ክሳብ 60 ናይ ስራሕ መዓልቲ ንብረት እቲ ንብረት ብናይ ባዕሎም መጎዓዝያ ናብ ንብረት ክፍሊ አታዊ ይገብሩ።

10 እቲ ቤት ፅሕፈት ምስ በጀት ብምጥዕዓም ውዕሊ እንትኣሰር 20 % ናይ ምዉሳክን ምቅናስን መሰለ አለዎ።

11 ጨረታ ካብ ዝወፀኣሉ ካብ 21/12/2011ዓ/ም ክሳብ 05/1/2012ዓ/ም ኣብ ናይ ስራሕ መዓልቲ ኾይኑ 05/01/2012ዓ/ም ሰዓት 3:30 ንጉሆ ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 4:00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይክፈት።

12 ኣብ ዝቀርበ ሕድሕድ ገፅ ሰነድ ጨረታ ናይ ሽም ትካልም ማህተምን ፊርማን ኣድራሻን ክቀርብ ይግባእ።

13 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0347-753006ደዊልካ ምሕታት ይከኣል፡፡