https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/7326
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሳሓርቲ ሳምረ ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ፣ መሳርሒ ስፖርት ከምኡውን ኣቅሑት ካፌ ክተቅርቡ ትክእሉ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ። ስለዚ ነዞም ረቋሕታት እተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ሚያዝያ 30, 2011 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጉንበት 15, 2011 08:30 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:3000.00
  • ቦታ:ሳሓርቲ ሳምረ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ ጉንበት 15, 2011 09:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ናገዛ ኣቁሑት/ ናይ ስፖርት ዕጥቅን ተዛመድቲ አቁሑትን/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/

1 ናይ ዘበኑ ግብሪ ዝኸልኩምን ናይ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩምን ንነብሲ ወከፍ ሎት በቲ ዘፈር ዝተመዝገበ፣

2 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ ከቅርቡ ዝኽእሉ ናይ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ክተቅርቡ ትኽእሉ፤

3 ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮነን ናይ እዋኑ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ፀብፃብ ዝገበርሉ መረዳእታ እውን ከቅርብ ይግባእ፤

4 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50.00 ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሳሓርቲ ሳምረ ኣገልግሎት ዕደጋ እናመፃእኹም ምውሳድ ትኽእሉ፤

5 ሰነድ ጨረታ ዋናን ቅዳሕን ብፖስታ ዝተዓሸገ ክሳብ 15/09/2011ዓ/ም ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሳሓርቲ ሳምረ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ምእታው ይከኣል።

6 እቲ ጨረታ 15/09/2011ዓ/ም ሰዓት 8:30 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 8:45 ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ዘለውሉ ብኣካል ዘየለው እውን ዝተማልአ ሰነድ ብምቅራብ ይከፈተለይ እንተይሎም ይኽፈት።

7 መከበሪ ጨረታ 3000.00 ሽሕ ቅርሺ ብሲፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ቼክ ከትሕዝ ዝክእል፤

8 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0345-540333 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።