https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/7156
ሓፈሻዊ ሆስፒታል ካሕሳይ አበራ ሑመራ ኣብ በጀት ዓመት 2011ዓ/ም 3ይ ዙር ዕደጋ ኣገልግሎት ነቲ ሆስፒታልና ግልጋሎት ዝውዕሉ መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን ብውሱን ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም ሚያዝያ 12, 2011 (ልዕሊ 6 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ሚያዝያ 25, 2011 04:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5000.00
  • ቦታ:ሐመራ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ሚያዝያ 25, 2011 05:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ላብራቶሪይን መሳሪሒታተ/ ናይ መድሓኒት ምህርቲ/ ጥዕና ተንከፍ አቁሑትን ኣክሰሰሪ/

1 በቲ ዘፈር ዝተሐደሰ ናይ 2011 ዓም ሕጋዊ ፍቃድ ብቅዳሕ ከቅርብ ዝኽእል

2 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ ዝተመዝገብኩምን ወረቀት ምስክር ብቅዳሕ ክተቅርቡ እትክእሉ፣ ብቅዓት መረጋገፂ ክተቅርቡ ትኽእሉ፤

3 ፃንሒት ኣገልግሎት ወይ Expire date ልዕሊ 6ተ ወርሒ ክኾን ኣለዎ።

4 ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ክተቅርቡ እትክሉ           

5 ጨረታ ሰዓርቲ እንተኮይንኩም ዝሰዓርክምዉ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝአሰርክምሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 10 ናይ ስራሕ መዓልቲ ዋጋ ብዘይምቅይያር ብፅሬትን ብመጠንን ክተቅርቡ እትክእሉ፤

6 መወዳደሪ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ሽምን ኣድራሻን ዘለዎ ናይቲ ትካል ማህተምን ፊርማን ክህልዎ አለዎ።

7 ተጫረቲ ካብ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ መቐለ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 42 ካብ 14/08/2011 ዓ/ም ክሳብ 24/08/2011 ዓ/ም ኣብ ናይ ስራሕ መዓልቲ ክሳብ ሰዓት 11:00 እናመፃእኩም ሰነድ ጨረታ ብነፃ ክትወስዱ ትክእሉ።

8 ተጫረቲ መከበሪ ጨረታ ንነብሲ ወከፍ 5000.00 ሽሕ ቅርሺ ብስፒኦ ክተትሕዙ ትክእሉ ፤

9 2% ዊዝ ሆልዲንግ ታክስ ክትከፍሉ እትክእሉ፤

10 እዚ ጨረታ 25/08/2011 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4:30 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 5:00 ኣብ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ መቐለ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 42 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት። ተወዳደርቲ ብዘይ ምርካቦም ጨረታ ምክፋት ኣይተኣጎጎልን።

11 እቲ ሆስፒታል ጨረታ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ኮነ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

12 እዚ ጨረታ ምስተኸፈተ ሆስፒታልና ናይ ዝግዛአ መጠን ክሳብ 20% ክቅንስ ወይ ክውስኽ ይኽእል።

13 ተወዳደርቲ እቲ ተቅርብዎ ንብረት ብፅሬት ኮምቴ ተፈቲሹ ተኽክለኛቱ ምስተረጋገፀ ጥራሕ ኣታዊ ይኸውን።

14 ኣብ እዋን መኽፈቲ ጨረታ ዋና ሰነድ ሒዝኩም ክትርከቡ ኣለኩም።

15 ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0344-481035 / 0344-480011 ደዊልኩም ምሕታት ትኽእሉ።