https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/6945
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ወረዳ ፀለምቲ ንዝተፋላለዩ ኣብያተ ዕዩ ዝዉዕል ኣገልግሎት ዝዉዕል ብመደበኛ መንግስታዊ በጀትን ብገበርቲ ሰናይ በጀትን መሳርሒ ፅሕፈት ፣ ኤሌክትሮኒክስ ፣ መሳርሒ ኣቅሑት ህንፃ፣ ናይ ሞተር ሳይክል መለዋወጢ ኣቅሑት፣ ናይ መኪና ጎማ ባትሪን ፣ መለዋወጢ ኣቅሑት መኪና ብሽክሌታን ክዕድግን ከስርሕን ይደሊ፡፡
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ ሚያዝያ 1, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ሚያዝያ 14, 2011 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5000.00
  • ቦታ:ፀለምቲ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ሚያዝያ 14, 2011 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ህንፃ መሳርሒ/ መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ኤሌክትሮ-መካኒክስ ኣቁሑትን ግልጋሎትን/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ዕድጊት ሞተርሳይክል/

1 ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድን: መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪን /TIN/ ምስክር ወረቀት ዘለዎን፤

2 ኣብ ናይ መቅረብቲ ዝርዝር ዝተመዝገበን መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል፤

3 ተወሳኪ እሴታ ታክስ ተመዝጋቢ ዝኮነን ናይ ወርሒ ለካቲት 2011 ዓም ተወሳኪ እሴታ ታክሲ ዲክለሬሽን ከቅርብ ዝክእል፤

4 ተጫረቲ ናይ ጨረታ መከበሪ ን 5000.00 ቅርሺ ብሰፒኦ ወይ ብሰርቲፋይድ ዝኮነ ቼክ ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ዝክእሉ፤

5 ጨረታ ሰዓሪ ነቲ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጎዓዝያን ናብ ወረዳ ፀለምቲ ትልምን ፋይናንስ ከቅርብ ዝክእል፤

6 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ ከፊልካ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ቢሮ ቁፅሪ 1 ብሰዓት ስራሕ ጥራሕ ምዉሳድ ይከኣል፡፡

7 ዋና ሰነድ ጨረታ ምሉእ ሰነድን ቅዳሕን ብምግባር ኣብ ሐደ ፖስታ ዝተዓሸገ ናብ ሳንዱቀ ጨረታ ኣታዊ ይግበር፡

8 እቲ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ 14/08/2011 ዓ/ም ዝፀንሕ ኮይኑ በቲ ዕለት ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት እንተዘይተረኪቦም እዉን ናይ ጨረታ ሕጊ ዘየማልእ እንተኮይኑ እቲ ጨረታ ካብ ምክፋት ኣይተኣጎጎልን፡፡

10 ካብ ተጫራታይ በዝሒ ንብረት ወይ እዉን መጠን 20 ሚእታዊ ክዉስክ ወይ እዉን ክቅንስ ይክእል እዩ፡፡

11 ተጫረቲ ዘእተዉዎ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ ን30 መዓልቲ እዩ፡፡

12 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ ኣማራፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ዉይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ፡፡

ንተወሳኪ ሐበሬታ 0346-620283 /0346-620221