https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/6842
ሱር ኮንስትራክሽን ሓላፍነት ዝተወሰነ ናይ ዉልቀ ማሕበር ኣብ ከባቢ ሰራት ንዘስርሖ ሪል ስቴት ግዚያዊ ናይ ቱሪካላታ ሓርን ምቅራብን ምስራሕን ስራሕቲ/Supply and erection of concrete posts and fixed with barbed wire/ ብጨረታ አወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ መጋቢት 25, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ቀዳም ሚያዝያ 12, 2011 08:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:100000.00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ቀዳም ሚያዝያ 12, 2011 08:30 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ገዛውቲን ሕንፃ ስራሕቲን/ መንገዲን ድልድልን ስራሕቲን/

በዚ መሰረት ካብ መጋቢት 23/2011ዓ/ም ክሳብ 12/08/2011ዓ/ም ንተከታታሊ 20 መዓልቲ ዝፀንሕ እንትከውን ኩሉ ግዜ ኣብ ስራሕ ሰዓት እንዳባሸለማ ኣብ ዝርከብ ናይ ሱር ኮንስትራክሽን ፒቪሲ ፕሮጀክት ቢሮ ብምምፃእ በዓል 3ተ ገፅ ዝርዝር ናይ ጨረታ ዘይምለስ 100.00 ቅርሺ ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ዓዲግኩም ክትሳተፉ ይዕድም።

 ስለዝኮነ ናይዚ ጨረታ ረቋሒ ክተማልኡ ትክእሉ ኮንትራክታራት ናይ ሓደ ዋጋ /Unite rate/ ቫት ዘይሓውስ ብምምላእ ካብ ዝተጠቀሰ ዕለት ጀሚርኩም እንዳባሸለማ ኣብ ዝርከብ ናይ ፒቪሲ ፕሮጀክት ፅ/ቤት ብምምፃእ ኣብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳጥን ብምእታው ክትጫረቱ ትክእሉ ምዃንኩም ነፍልጥ፡፡

ተጫረቲ ከማልእዎም ዝግባእ ረቋሒታት

1 ዝተሓደሰ ናይዚ ዘመን ንግዲ ፍቃድ፣ ንግዲ ምዝገባን፣ ቲን ቁፅሪን ከምኡውን ናይ ቫት  ተመዝጋቢን ምዃኖም ከቅርቡ ኣለዎም፡

2 ተጫረቲ ዘቅርቦ ንግዲ ፍቃድ GC/BC/RC ኮይኑ ደረጃ 6ተን ልዕሊኡን ክከውን ኣለዎ፡

3 ናይ ለካቲት ወርሒ ቫት ሪፖርት /ቫት ዲክላሬሽን/ ከቅርቡ ኣለዎም፡

4 ተጫረትቲ ኣብ ዘቅርብዎ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ሙሉእ ሽሞምን ኣድራሽኦምን ስልኪ ቁፅሮምን ክፅሕፉ ኣለዎም፤

5 ጨረታ ኣሸናፊ ውዕሊ ካብ ዝፈፀመሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 75 መዓልቲ ሙሉእ ብሙሉእ እቲ ናይ ሓፁር ስራሕቲ ኣጠናቂቁ ከረክብ ዝክእል ክከውን ኣለዎ፤

6 ተጫረቲ ናይ ጨረታ መከበሪ 100,000.00 ቅርሺ ብስፒኦ ጥራሕ ብሽም ሱር ኮንስትራክሽን ሓ/ዝ/ው/ማሕበር ፒቪሲ ፕሮጀክት ኣብ ዝተዓሸገ ፖስታ ከቅርቡ ኣለዎም፤

7 እቲ ጨረታ 12/08/2011ዓ/ም ሰዓት 8:00 ድ.ቀትሪ ተዓፅዩ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት 8:30 እንዳባሸለማ ኣብ ዝርከ ናይቲ ፕሮጀክት ፅ/ቤት ይክፈት።

8 እቲ ትካል ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።