https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/6838
ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ጨንፈር ክልል ትግራይ ጨንፈር ዞባ ምብራቅ ኣብ ከተማ ዓዲግራት ዝርከብ ቀፅሪ ቤት ፅሕፈቱ ህንፃ ቤት ፅሕፈት በዓል 2ተ ደብሪ ህንፃ ሓደ ግዜ ዝተሃደመን ኣብ ኣገልግሎት ዝወዓለ 2ተ ወለል ምውዳእ ናይ ዋርድያን ሓፁርን ደረጃ 5ተን ልዕሊኡን ዝኮኑ ተጫረቲ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ፡፡
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ መጋቢት 24, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ሚያዝያ 4, 2011 11:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:2%
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:200.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ሚያዝያ 7, 2011 03:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ገዛውቲን ሕንፃ ስራሕቲን/

1 ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ሕጋዊ ምዝገባ ንግዲ፣ ፍቃድ ንግዲ፣ ተወሳኪ እሴት ታክስን ምስ ናይ ወርሒ ለካቲት መረዳእታ ክፍሊት ግብሪን ዘለዎም ኮይኑ ፣ መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ ከቅርብ ዝክእል፤

3 ተጫረቲ ዝርዝር ናይ ጨረታ ምውሳድ ዘይምለስ ብር 200.00 (ክልተ ሚኢቲ) ብምኽፋል ኣብ ዓዲግራት ቀበሌ 05 ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ብምምፃእ እዚ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ካብ ቢሮ ቁፅሪ 10 ኣብ ስራሕ ሰዓት ምውሳድ ትኽእሉ።

4 እቲ ጨረታ 04/08/2011ዓ/ም ሰዓት 11፡00 ተዓፅዩ 07/08/2011ዓ/ም ሰዓት 3፡30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኸውን።

5 ዝርዝር ጨረታ ምስቲ ዝሽየጥ ጨረታ ኮይኑ ኣብቲ መምርሒ ዝተገለፀ ሓደ ብሓደ ብምርዳእን ብምፍፃምን ኣብቲ ዝተጠቀሰ ዕለት ናብ ሳንዱቅ ጨረታ ኣታዊ ይገብሩ፡፡

6 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ውሕስና ብመልክዕ ሲፒኦ ናይቲ ዘቅረቦ ጠቅላላ ዋጋ 2% ክተቅርቡ ይግባእ።

7 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ ኣማራፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይዅን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኪ ሓበሬታ 0344-452647