https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/6562
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሰቲት ሑመራ ኣብ ኣብያተ ፅሕፈት ኣገልግሎት ካብ ስሩዕ በጀት ዝ/ዩ ዓይነታት ተሽከርከርቲ፣ ሞተር ሳይክላት፣ መለዋወጢ ሞተር ሳይክላት፣ ዝ/ዩ መሳርሒ ፅሕፈት፣ ንብረት ኤሌክትሮኒክስ፣ ላፕቶፕን ዲስክቶፕን ኮምፒተራትን ኣብ 4ተ ምድብ ብምምዳብ ንብረታት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ መጋቢት 5, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ መጋቢት 20, 2011 03:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:በቢሎቱ ዝተፈላለየ
  • ቦታ:ሰቲት ሑመራ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:100
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ መጋቢት 20, 2011 03:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ኮምፒተርን ተዛመድቲ / ናይ ኮምፒተር ተዛመድቲ አቁሑትን/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ኤሌክትሮ-መካኒክስ ኣቁሑትን ግልጋሎትን/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ዕድጊት ሞተርሳይክል/

1  ናይዚ ዘበን ዝተሓደሰ  ፍቃድ ስራሕ ንግዲ ዋና ምስዘይምለስ ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል፤

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለለዩ ቁፅሪ ዘለዎን መረዳእታ ዘቅርብን፤

3 ናይ ወርሒ ጥሪ 2011 ዓ/ም ሒሳብ ዘፍለጠሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል፤

4 በቲ ዘፈር ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ካርድ ከቅርብ ዝክእል፤

5 ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ወይድማ ቫት ተመዝጋቢ ዝኮነን መረዳእታ ዘቅርብን፤

6 ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ መኸበሪ ጨረታሎት 1 ንመለዋወጢ ተሽከርከርቲ 15000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ሎት 2 መሳርሒ ፅሕፈትን ሃለቅቲ ንብረትን 4000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ሎት 3 ኤሌክትሮኒክስ 10000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ብሲፒኦ ወይ ድማ ብጥረ ገንዝብ ከትሕዝ ዝክእል፤

7 ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሐፈት ትልምን ፋይናንስን ደ/ስ/ከ/ምም/ንብረትን ክፍሊ ቁፅሪ 26 ዘይምለስ 100.00 ቅርሺ ብምክፋል ምውሳድ ይከኣል፡፡ 

8 ምልክታ ጨረታ ብድምፂ ወያነ ካብ ዝተቃለሐሉ ዕለት ጀሚሩ ንተከታታልቲ 15 መዓልቲ ዘፀንሕ ይከውን፡፡

9 እዚ ጨረታ ዝክፈተሉ ብድምፂ ወያነ ምስሓለፈ ኣብ መበል 16 መዓልቲ ንግሆ ሰዓት 3፡00 ተዓሺጉ በቲ ዕለት ሰዓት 3፡30 ይክፈት፡፡

10 ተወዳደርቲ ኣብ ሕድሕድ ገፅ ናይ ጨረታ ሰነድ ናይ ትካሎም ማህተም ናይ ዝምልከቶ አካል ፊርማ ክዓርፈሉ አለዎ።

11 ተወዳደርቲ ዘቅርብዎ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዘሓወሰ ምካኑን ዘይምካኑን መብርሂ ክትህቡ ይግባእ፡፡ እንተዘይገሊፅኩም ዝቀረበ ዋጋ ምስ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተገይሩ ይውሰድ፡፡

12 ናይ ዝግዛእ ኣቅሓ ካብ ነብሲ ወከፍ ነፀላ ኣቅሓ ክሳብ 20 ሚኢታዊ ናይ ምውሳክን ምቅናስን መሰል ኣለዎ፡፡

13 ኣብ ዝ/ዩ ሎታት እትወዳደሩ ንነብሲ ወከፍ ሎት ንናይ ባዕሉ መከበሪ ጨረታ ክተትሐዙ ኣለኩም፡፡

14 ጨረታ ሰዓራይ እቲ ንብረት ብናይ ባዕሉ ወፃኢ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሰቲት ሑመራ የረክብ፡፡

15 ዋጋ ፀኒዑ ዘፀንሓሉ መዓልቲ ን30 ተከታተልቲ መዓልቲ ይከውን፡፡

16 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344-4800062/0344-480063 ብ ብምድዋል ምሕታት ይከኣል፡፡