https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/6479
ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ንቤት ፅሕፈታት ኣገልግሎት ዝውዕሉ መሳርሒ ፅሕፈት፣ ናውቲ ፅሬት፣ኤሌክትሮኒክስ፣ መለዋወጢ ኣቅሑት መኪና፣ ኣቅሑት ሕትመት፣ ተሽከርከርቲ( ሳይክል)፣ ቀወምቲ ንብረት ካልኦት በጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም የካቲት 30, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ መጋቢት 23, 2011 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:በቢሎቱ ዝተፈላለየ
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:30.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ መጋቢት 23, 2011 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ናይ ሕትመት ኣቁሑትን/ ዕድጊት ሞተርሳይክል/

1 ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዋናን ቅዳሕን ዘቀርብ፤

2 ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ዋናን ቅዳሕን ዘቀርብ ፣

3 መለለይ ቁፅሪ ከፋሊ ግብሪ ዋናን ቅደሕን ዘቅርብ፤

4 ሪፖርት ተወሳኺ እሴት ታክስ ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2011ዓ/ም ዘለዎን ዋናን ቅዳሕን ዘቅርብ፤

5 ሰነድ ጨረታ ካብ 29/06/2011ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ 20/07/2011ዓ/ም ክወስድ ዝኽእል፤

6 ሰነድ ጨረታ 30.00 ቅርሺ ብምኽፋል ካብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ከ/ስ/ዕ/ፋ/ምም/ር ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 8 ክትወስዱ ትኽእሉ፤

7 ሳንዱቅ ጨረታ ዕለት 23/07/2011 ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓሺጉ ተጫረቲ ወይ ደማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ በዚ ዕለት ሰዓት 4፡30 ይኽፈት።

8 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ፖስታ ኣብዚ ናይ ጨረታ መምርሒ ዝተቀመጠ ካልኦት ናይ ጨረታ ግቡኣትን መረዳእታን ክሳብ ዘማልአ ብካልእ  እንተዘተረኸበ ውን ፖስትኦም ኣብ ጨረታ ክኸፈት ይኽእል እዩ።

9 ጨረታ መኸበሪ ዘትሓዝዎ ከከም ዝተጫረትዎ መጠን ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ንኤሌክትሮኒክስ 5000.00ሽሕ ቅርሺ፣ መሳርሒ ፅሕፈት ናውቲ መካይን ሕትመት ተሽከርከርቲ /ሳይክላት/ 3000.00 ሽሕ ቅርሺ ከትሕዝ ዝኽእል፤

10 ጨረታ ሰዓራይ ምስኾነ ድሕሪ 5ተ መዓልቲ ውዕሊ ክኣስር ዝኽእል እቲ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ዘቀርብን እቲ ንብረት፣ ብናይ ባዕሉ ወፃኢ ዝገጥምን፤

11 ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነዚ ጨረታ ብክፋል ይኩን በሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0344-442541 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።