https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/6301
ን2ይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይ ከተማ ዉቕሮ ኣብ በጀት ዓመት 2011 ዓ/ም ንጠቅላላ ግልጋሎት ቤት ፅሕፈት ዝውዕሉ ዝወፁ ናይ ማይ ትቦታትን መገጣጠሚታትን መሳርሕን ቆፀርትን ኮምፒተርን ፕሪንተርን ሳይክልን ፈርኒቸርን ካብ ሕጋውያን ነጋዶ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ። ስለዚ ንዝስዕብ ተማልኡ ተወዳደርቲ
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም የካቲት 16, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ መጋቢት 4, 2011 03:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:በቢሎቱ ዝተፈላለየ
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ መጋቢት 4, 2011 04:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ኮምፒተርን ተዛመድቲ / ናይ ኮምፒተር ተዛመድቲ አቁሑትን/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/ ዕድጊት ሞተርሳይክል/ ቅፋሮ ማይ ኢንጂነሪንግ ማሺነሪ, ኣቁሑትን ኣክሰሰሪ/

1 ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድን መለለይ ካርድን ዋናን ቅዳሕን ዘቕርብ፤

2 ቫት ዝተመዝገቡን ቲን ናምበር ዘለዎ ግብሪ ክፍሊት ከቅርብ ዝኽእል ናይ ዝተጫረትዎ ዝርዝር ኣቁሑት ዝገልፅ ሕጋዊ ማህተም ዘለዎ ብ2ተ ኮፒ ዋናን ቅዳሕን ብኽልተ ፖስታ ተዓሺጉ ዘቅርብ፤

3 ኩሎም ዓይነታት ንብረት ብናይ ጨረታ ሰነድ መግዝኢ ዘይምለስ ብር 50.00 ብምግዛእ ናይ ጨረታ ሰነድ መኸበሪ ኮምፒተር ፕሪንተርን ብር 3000.00 ፣ንቱቦታትን መገጣጠምታትን መሳርሕን ቆፀርትን ብር 6000.00፣ ሳይክልን ፈርኒቸርን 3000.00 ሽሕ ብር ብሲፒኦ ጥራሕ ከትሕዙ ዝኽእሉ

4 ኩሎም ዓይነታት ንብረት ብዝተቀመጠ ግዜ ሰዓራይ ናይ ዘሸነፎ ንብረት ኣብ ውሽጢ 10 ናይ ስራሕ መዓልቲ ከቅርብ ዝኽእልን ብናይ ባዕሉ ወፃኢ ናብ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይ ከተማ ውቅሮ ከምዝፅእ ዝኽእል

5 ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 14/06/2011 ዓ/ም -04/07/2011 ዓም ኩሉግዜ አብ ስራሕ ሰዓት ቀዳም ቅ.ሰዐት ሓዊሱ ካብ ቢሮ ቁፅሪ 10 ቤት ፅሕፈት ምግዛእ ይከኣል።

6 ጨረታ ሰነድ ትቦታትን መገጣጠምታትን ቆፀርትን ዝዕሸገሉ ዕለት 04/07/2011 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ኮይኑ ዝኽፈተሉ ዕለት 04/07/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተወዳደርቲ ወይ ሕጋዊ ወኪል ብዘለውሉ እንትኸውን እንተዘይተረኺቦም እውን እቲ ጨረታ ናይ ምኽፋት መሰልና ሕልው ምዃኑ

7 ጨረታ ሰነድ ኮምፒተርን ፕሪንተርን ዝዕሸገሉ ዕለት 07/03/2011ዓ/ም ሰዓት 3:30 ኮይኑ ዝኽፈተሉ ዕለት 07/03/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ናይ ሳይክል ድማ 05/07/2011ዓ/ም ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 9:30 ናይ ፈርኒቸር 06/07/2011ዓ/ም ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:00 ተወዳደርቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዘለውሉ ኮይኑ እንተዘይሃልዮም ውን እቲ ጨረታ ናይ ምኽፋት መሰልና ሕልው ምዃኑ፤

8 ኩሎም ዓይነት ንብረታት 25% ዘሸነፈ ንብረት ናይ ምውሳኽ ወይ ምቅናስ ንኽእል ምዃና

9 ቤ/ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰል ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ 0344-430053/0914-783604/0914-783477 ምድዋል ይከአል ፤