https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/6186
ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ሸራሮ ናይ 2011ዓ/ም በጀት ዓመት 2ይ ዘር ዕድጊት ንዝተፈላለያ ኣብያተ ዕዮ አገልግሎት ዝውዕል መሳርሒ ፅሕፈት ፣ ኤሌክትሮኒክስ፣ ኣቅሑ ፅሬት፣ ሕትመት፣ቀወምቲ ንብረት፣ ኣቅሑት መለዋወጢ መኪና፣ዕጥቂ ስፖርት፣ ሞተር ሳይክል፣መፅሓፍቲ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፤
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሰሉስ የካቲት 5, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ የካቲት 20, 2011 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:5000.00
  • ቦታ:ሽራሮ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ የካቲት 20, 2011 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ናይ ስፖርት ዕጥቅን ተዛመድቲ አቁሑትን/ ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ መፅሓፍቲን ትምህርታዊ መሳርሕታት/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ናይ ሕትመት ስራሕቲ/ ዕድጊት ሞተርሳይክል/

1 ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም ከቅርብ ዝኽእል፤ናይ 2011 ዓ/ም ንግዲ ፍቃድ ዘሐደስኩም፤

2 መለለይ ቁፅሪ ግብሪ ከፋላይነት ከቅርብ ዝኽእል፤ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩም

3 ኣብ ናይ ፋይናንስ መቅረባይነት ዝተመዝገብኩም ዘሐደስኩምን፤

4 ሰዓራይ ምዃንኩም ምስተፈለጠ ብናይ ባዕልኩም መጓዓዝያ ኣብ ውሽጢ 10 ናይ ስራሕ መዓልታት ንመሳርሒ ፅሕፈት ፣ኤሌክትሮኒክስ፣ ኣቅሑ ፅሬት፣ ንዕጥቂ ስፖርት፣ ኣቅሑት መለዋወጢ መኪና፣መፅሓፍቲን ዝከውን ቀወምቲ ንብረት ድማ ኣብ ውሽጢ 20 መዓልታት ከምኡ ውን ንሕትመት 20 ናይ ስራሕ መዓልታት ብዙሕ መዓልቲ ዝወስዱ ሕትመታት ድማ ተራእዩ ምስተወሰነ ናብቲ ቤት ፅሕፈት ይውሰድ፤

5 ሰዓራይ ምዃንኩም ምስተፈለጠ ኣብ ውሽጢ 3ተ መዓልቲ ውዕሊ ክትኣስሪ ትክእሉን ካብ ዝሰዓርክምዎ ጠቅላላ ዋጋ ብጥረገንዘብ ወይ ካብ ባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ 10 ሚኢታዊ ክተትሕዙ ትክእሉ፤

6 ካብቲ ዝተጠቀሰ መዓልቲ እንተሓሊፉ ኣብ ውሽጢ 1 መዓልቲ 0.01 ሚኢታዊ ካብ ጠቅላላ ኣታዊ እተቅርብዎ ዝቅፅዑ ኮይኖም ናይ መቅፃዕቲ መጠን ዝሰዓርዎ 10 ሚኢታዊ ውዕሊ ፈፃሚ ኣካል ውዕሊ ናይ ምስራዝ መሰል ኣለዎ፤

7 መኸበሪ ጨረታ 5000.00 (ሓሙሽተ ሽሕ) ቅርሺ ብጥረ ገንዘብ ወይ ደማ ሲፒኦ ከትሕዝ ዝኽእል፣

8 ኩሎም መረዳእታ ቅዳሕ ብምግባር ኣብ ፖስታ ዓሺግኩም ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ናብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ከተማ ሽራሮ ክትእትው ትኽእሉ፤

9 ሰነድ ጨረታ 50.00 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ትልምን ፋይናንስን ከተማ ሸራሮ ከ/ ስ/ ዕ/ ፋይ/ ምም/ር ንብረትን ክፍሊ ቁፅሪ 06 ሒዝኩም ክትወስዱ እናሓበርና ፤

10 ተጫረቲ ካብ 05/06/2011ዓ/ም -20/06/2011 ዓ/ም ካብ ትልምን ፋይናንስን ከተማ ሸራሮ ከ/ስ/ዕ/ፋይ/ምም/ር ንብረትን ክወስዱ ይኽእሉ።

11 እቲ ጨረታ 20/06/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ሰዓት ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ረፋድ ይኽፈት።

12 ንሕድሕድ ንብረት ዋጋ ኣብ ናይ ባዕልና መቅረቢ ዝርዝር ሰነድ ስራሕ ክምላእ ይግባእ፤

13 እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብክፋል ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።