https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/6100
ን2ይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ንዝተፈላለዩ ቤት ፅሕፈታት አገልግሎት ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ: ናውቲ ኤሌክትሮኒክስ : ናውቲ ኣይሲቲ፣መሳርሒ ፅሕፈት፣መምሃሪ ተምሃሮ ቾክ፣ ሞተር ብስክሌት፣ ኣቅሑ ቢሮን ካልኦትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጥሪ 30, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ የካቲት 15, 2011 08:00 ደ/ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:በቢሎቱ ዝተፈላለየ
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:60.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ የካቲት 15, 2011 08:30 ደ/ሰዓት
  • መደብ: መፅሓፍቲን ትምህርታዊ መሳርሕታት/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ዕድጊት ሞተርሳይክል/

1 ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ ፍቃድ ንግዲ ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል

2 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይነት ግብሪ ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል፤

3 ናይ ዘመኑ ዝተሐደሰ መረዳእታ መቅረባይነት ዘለዎን ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል

4 መረዳእታ ተወሳኬ እሴት ታክስ ዋናን ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል

5 ናይ ወርሒ ታሕሳስ 2011 ዓ/ም ተወሳኪ እሴት ታክስ ፀብፃብ ቅዳሕ ከቅርብ ዝክእል

7 ሰነድ ጨረታ ካብ 30/05/2011ዓ/ም ክሳብ 15/06/2011ዓ/ም ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ከተማ ሽረ እንዳሰላሴ ቀበሌ 01 ቢሮ ቁፅሪ 18 ብምምፃእ ዘይምለስ 60.00 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይከኣል።

8 እቲ ጨረታ 15/06/2011 ሰዓት 8:00 ድ.ቀትሪ ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 8:30 ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት።

9 እቲ ሰነድ ጨረታ በቲ ምልክታ መሰረት ኣማሊኡ እንተቀሪቡ ተጫረቲ ብዘይለውሉ ንምኽፋት ዝዓግቶ ነገር የለን።

10 መከበሪ ጨረታ ንኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስን ንናውቲ ኣይሲቲን 7000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ንመሳርሒ ፅሕፈት 5000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ንመምሃሪ ተምሃሮ ቾክ 5000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ንሞተር ሳይክል 7000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ንኣቅሑ ቢሮ 5000.00 ሽሕ  ብጥረ ገንዝብ ወይ ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ስፒኦ ከትሕዝ አለዎ፤

11 ኣብዚ ጨረታ ሰዓራይ ምዃኑ ምስተገለፀ ብመሰረት መምርሒ ዕደጋ መሰረት ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል፤

12 ሰነድ ጨረታ ብንፁር ዝንበብን ስርዝ ድልዝ ዘይብሉን ናይ በዓሎም ፊርማን ማህተምን ኣብ ነብስ ወከፈ ገፅ ብምግባር ብፖስታ ዓሺጎም ከቅርብ ይግባእ፤

13 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙለእ ይኩን ብክፈል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ፤

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344-444916 / 0344-442866