https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/6019
ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ክፍለ ከተማ ኵሓ ዝርከብ ዋንነቱ ናይ ማሕበር ደ/ኣንስትዮ ትግራይ ክፍለ ከተማ ኵሓ ዝኾነ መከባበያ ብሽቦ ሓፁር ተጫረቲ ኣወዳዲራ ክተሕፅር ትደሊ፤
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጥሪ 24, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ጥሪ 30, 2011 06:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:7%
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:30.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ ጥሪ 30, 2011 10:00 ደ/ሰዓት
  • መደብ: ገዛውቲን ሕንፃ ስራሕቲን/ ሰራሕቲ ሓፂነ መፂን/

1 ናይዚ ስራሕ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎም ኣብ 2011 ዓ/ም ዝተሓደሰን ደረጃ 10 ልዕሊኡን

2 ናይ ደኣንት ሰርቲፊኬት ከቅርብ ዝክእል፤

3 መከበሪ ውዕሊ 7 ሚኢታዊ ከትሕዝ ዝክእል፤

4 ቀረብ ናውቲ ብዝወፀ ዝርዝር መዘርዘር መሰረት ባዕሉ ዘቀርብን ምስተረጋገፀ ከስርሕ ዝክእልን፤

5 ናይ ዘእተዎ ዋጋ 2 ሚኢታዊ ብሲፒኦ ከትሕዝ ዝክእል፤

6 መዐደጊ ሰነድ 30.00 ብር ከፊሎም ክወስዱ ዝክእሉን፣ ሰነድ ጨረታ ካብ መቐለ ዋና ቤት ፅሕፈት ማደኣት ቁፀፅ 19 ፋይናነስ ዕ/ንብረት ምምሕዳርን ክወስዱ ዝክእሉን፤

7 ዝተመልአ ሰነድ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማደኣት መቐለ ከእትው ዝክእሉ ኮይኑ ጨረታ ኮሚቴ ኣብ ዝተረከብሉ የካይድ፤

8 ተጫረቲ ጨረታ ሰነድ ካብ ዝወፀኣሉ ካብ ዕለት 22/05/2011ዓ/ም ክሳብ 30/05/2011ዓ/ም ይከውን፤ ጨረታ ሰነድ ብፖስታ ተዓሺጉ ማሕተም ፊርማን ሃልይዎ ከቅርብ ይግባእ፤

9 ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ዝዕሸገሉ ዕለት 30/05/2011ዓ/ ሰዓት 6:30 ኮይኑ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 10:00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ቀበሌ 15 ዋና ቤት ፅሕፈትና ዝክፈት ይከውን፤

10 ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰል ኣለዎ፤