https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/5917
ኮሌጅ ጥዕና ሳይንስ ኣርኣያ ካሕሱ ናይ 2008 ዓ/ም 2ይ ዙር ዕድጊት ንምፍፃም ምድብ 1- ፅሕፈት መሳርሒ፤ ፅሬት ኣቅሑት ናይ ስፖርት ኣቅሑት ፤ምድብ 2- መድሓኒትን ናይ ሕክምና ናውቲን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ካብ ሕጋዉያን መቕረብቲ ክዕድግ ይደሊ::
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ጥሪ 17, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ የካቲት 1, 2011 04:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:3000.00
  • ቦታ:ኣክሱም
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:40.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ የካቲት 1, 2011 05:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ናይ ስፖርት ዕጥቅን ተዛመድቲ አቁሑትን/ ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ናይ መድሓኒት ምህርቲ/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ጥዕና ተንከፍ ዝኮኑ ግልጋሎት/ ጥዕና ተንከፍ አቁሑትን ኣክሰሰሪ/

1 ናይ 2010/11ዓ/ም ግበሪ ዝኸፈሉን ናይ 2011 ዓ/ም ንግዲ ፍቃድ ዘሐደሱን ኦርጅናል ምስ ፎቶ ኮፒ ዘቕርቡ፤

2 ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ TIN ዘለዎምን VAT ተመዝገብቲ ዝኮኑን ወርሓዊ ዲክሌሬሽን ክሳብ ናይ ሕዳር 2011 ዓ/ም ሪፖርት ዝገበርሉ ማስረጃ ዘቅርብ ናይ መቅረባይነት ሰርቲፊኬት ዘለዎም፤

3 መክበሪ ጨረታ ብባንኪ ዝተረጋገፀ CPO 3000 /ሰለስተ ሽሕ ብር /ከትሕዙ ዝኽእሉ፤

4 ተጫረቲ ንዝሰዓርዎም ንብረታት መድሓኒትን ናይ ሕክምና ናውትን ብናይ ባዕልና መጓዓዝያ ናብ ኮሌጅና ተረኪብና፤ሎት ሓደ ብናይ ባዕሎም መጋዓዝያ ናብ ኮሌጅና ነጋዕዝ፤

5 እቲ ሰነድ ጨረታ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ዋጋ መሊኦም ኦርጅናል ምስ ፎቶ ኮፒ ዶክመንት ዘቕርቡ:

6 ናይ ጨረታ ሰነድ ሎት 1 -ካብ ዕለት 17/05/2011 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 01/06/2011ዓ/ም ሰነድ ዝውሰደሉ እዋን ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ካብ ኮሌጅ ጥዕና አርኣያ ካሕሱ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ምሕደዳር ንብረትን ዘይመለስ 40.00 ብር እናኸፈልኩም ክወስዱ ይኽእሉ::

7 ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 01/06/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:30 ቅድሚ ሰዓት ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት 5:30 ተጫረቲ ወይም ሕጋዉያን ወኪላቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይኽፈት::

8 ሎት 2 መድሓኒትን ናይ ሕክምና ናውትን ዕለት 18/05/2011ዓ/ም ክሳብ 05/06/2011ዓ/ም ዝፀንሕ ኮይኑ ጨረታ ዝካየደሉ ቦታ ኣብ መቀለ ቢሮ ቲቪቲ ከ/ስ/ዕ/ፋይ/ምም/ንብረትን 3ይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 33 ዕለት 18/05/2011ዓ/ም ዘይመለስ 40.00 ብር እናኸፈልኩም ክወስዱ ይኽእሉ ፤ ዝዕፀወሉ ዕለት ድማ 05/06/2011ዓ/ም ሰዓት 4:30 ቅድሚ ሰዓት ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት 5:30 ተጫረቲ ወይም ሕጋዉያን ወኪላቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይኽፈት::

8 ሰነድ ጨረታ ተነፂሩ ንዝወሃብ መምርሒ ተጫረቲ ሙሉእ ብሙሉእ ተግበራዊ ክገብሩ ዝኽእሉ፤

9 አብቲ ጨረታ ሰነድ ክሳብ 20 % ምዉሳክን ምቅናስ ከም ዝህሉ ዝተረደአ

10 ምክፋት ጨረታ ሕጋዊ ነጋዶ ወይ ወኪላቶም ብዘይምቅራቦም ናይ ጨረታ ምክፋት ዘይተኣጓጎል ምካኑ፤

11 ኮሌጅና ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ነዚ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0347-752538 ወይም 0914-774437 / 0914-189509 ምሕታት ይካኣል፤