https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/5703
ን2ይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ካሕሳይ አበራ ሑመራ ኣብ በጀት ዓመት 2011ዓ/ም 2ይ ዙር ዕደጋ ኣገልግሎት ነቲ ሆስፒታልና ግልጋሎት ዝውዕሉ መድሓኒትን ናውቲ ሕክምናን ኣብ ስሩዕ በጀት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ሓሙስ ታሕሳስ 25, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሶኒ ጥሪ 20, 2011 04:30 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:10000.00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:50.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሶኒ ጥሪ 20, 2011 05:00 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ናይ መድሓኒት ምህርቲ/ ጥዕና ተንከፍ አቁሑትን ኣክሰሰሪ/

1 በቲ ዘፈር ዝተሐደሰ ናይ 2011 ዓም ሕጋዊ ፍቃድ ብቅዳሕ ከቅርብ ዝኽእል

2 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ ዝተመዝገብኩምን ወረቀት ምስክር ብቅዳሕ ክተቅርቡ እትክእሉ፣ ብቅዓት መረጋገፂ ክተቅርቡ ትኽእሉ፤

3 ፃንሒት ኣገልግሎት ወይ Expire date ልዕሊ 6ተ ወርሒ ክኾን ኣለዎ።

4 ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ክተቅርቡ እትክሉ

5 ጨረታ ሰዓርቲ እንተኮይንኩም ዝሰዓርክምዉ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝአሰርክምሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 10 ናይ ስራሕ መዓልቲ ዋጋ ብዘይምቅይያር ብፅሬትን ብመጠንን ኣብ መቐለ ክተቅርቡ እትክእሉ፤

6 መወዳደሪ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ሽምን ኣድራሻን ዘለዎ ናይቲ ትካል ማህተምን ፊርማን ክህልዎ አለዎ።

7 ተጫረቲ ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ እናከፈለኩም ካብ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ መቐለ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 42 ካብ 26/04/2011 ዓ/ም ክሳብ 17/05/2011 ዓ/ም ኣብ ናይ ስራሕ መዓልቲ ክሳብ ሰዓት 11:00 እናመፃእኩም ሰነድ ጨረታ ክትወስዱ ትክእሉ።

8ተጫረቲ መከበሪ ጨረታ ንነብሲ ወከፍ 10000.00 ሽሕ ቅርሺ ብስፒኦ ክተትሕዙ ትክእሉ ፤

9 2% ዊዝ ሆልዲንግ ታክስ ክትከፍሉ እትክእሉ፤

10 እዚ ጨረታ 20/05/2011 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4:30 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 5:00 ኣብ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ መቐለ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 42 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት። ተወዳደርቲ ብዘይ ምርካቦም ጨረታ ምክፋት ኣይተኣጎጎልን።

11 እቲ ሆስፒታል ጨረታ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ኮነ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

12 እዚ ጨረታ ምስተኸፈተ ሆስፒታልና ናይ ዝግዛአ መጠን ክሳብ 20% ክቅንስ ወይ ክውስኽ ይኽእል።

13 ተወዳደርቲ እቲ ተቅርብዎ ንብረት ብፅሬት ኮምቴ ተፈቲሹ ተኽክለኛቱ ምስተረጋገፀ ጥራሕ ኣታዊ ይኸውን።

14 ኣብ እዋን መኽፈቲ ጨረታ ዋና ሰነድ ሒዝኩም ክትርከቡ ኣለኩም።

15 ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0344-481035 / 0344-485001 ደዊልኩም ምሕታት ትኽእሉ።