https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/5434
ኲሓ ሆስፒታል ንሆስፒታልና ግልጋሎት ዝዉዕል ዝተፈላለዩ ናውቲ ሕክምና ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ። በዚ መሰረት ሕጋውያን ነጋዶ ኣብቲ ጨረታ ክትወዳደሩ ብኽብሪ ይዕድም።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ዓርቢ ታሕሳስ 5, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ረቡዕ ታሕሳስ 24, 2011 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:20000.00
  • ቦታ:ኩሓ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:30.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ረቡዕ ታሕሳስ 24, 2011 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ላብራቶሪይን መሳሪሒታተ/ ጥዕና ተንከፍ አቁሑትን ኣክሰሰሪ/

በዚ መሰረት ነጋዶ ከማልኡዎም ዝግበኦም ረቋሕታት

1 በቢ ዘርፉ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ ኮይኑ ናይ 2011 ዓ/ም ንግዲ ፍቃድ ዝተሓደሰ ግብሪ ዝከፈለን ክክዉን አለዎ።

2 ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሐደሰ ናይ መቅረባይነት ምዝገባ ሰርተፊኬት ከቅርብ ዝክእል

3 መለለይን ናይ ግብሪ ከፋላይ ቁፅሪ /ቲን ናምበር/ ከቅርብ ዝክእል            

4 ተጫረቲ ንሕድሕድ ሰነድ ዘይምለስ 30.00 ብር ብምክፋል ካብ ኩሓ ሆስፒታል ከይዲ ስራሕ ዕ/ፋ/ን/ምምሕዳር ንብረትን ቁፅሪ 48 ምዉሳድ ይከኣል።

5 ተጫረቲ ናይ ጨረታ መክበሪ ቢድ ቦንድ ንሕድሕድ ጨረታ ብር 20000.00 ብስፒኦ ኣብ ኩነታት ዘይተመሰረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ብጥረ ገንዝብ ወይ ከዓ ባንኪ ዝተረጋገፀ መኣዘዚ ክፍሊት ቼክ ብሽም ኩሓ ሆስፒታል ከትሕዝ ዝክእል፤

6 ጨረታ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 04/04/2011 ዓ/ም ሰነድ ጨረታ ምዉሳድ ዝከኣል ኮይኑ ዕለት 24/04/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓሺጉ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ከዓ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከበሉ ይክፈት።

7 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ኦርጅናል ኣብ ሓደ ፖስታ ኮፒ ኣብ ካልእ ፖስታ ነኒበይኑ ብምዕሻግ ኣብ ሓደ ዓብይ ፐስታ ብምጥቅላል ናብቲ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳንዱቅ ይኣቱ።

8 ናይ ተጫረቲ ሙሉእ ኣድራሻ ማህተም፣ ፊርማ ፣ክህልዎ አለዎ። ብተወሳኪ ድማ ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ኦርጅናል ምስ ፎቶ ኮፒ ሰርዝ ድልዝ ክህልዎ የብሉን እዚ ንዝገበረ ተጫራቲ እቲ ጨረታ ተቀባልነት የብሉን።

9 ክሳብ 20% ናይ ምዉሳክን ምቅናንስ መሰሉ ሕልዉ እዩ

10 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

 ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344 -42 02 21 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።