https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/5292
ዞባ ሰሜን ምዕራብ ንቤት ፅሕፈታት ኣገልግሎት ዝውዕሉ መሳርሒ ፅሕፈት፣ ናውቲ ፅሬት፣ኤሌክትሮኒክስ፣ ኣቅሑት ቢሮ፣ መለዋወጢ ኣቅሑት መኪና፣ ሕትመት፣ ተሽከርከርቲ( ሳይክል)፣ ቀወምቲ ንብረት ካልኦት በጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ቀዳም ሕዳር 15, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ሓሙስ ሕዳር 20, 2011 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:00
  • ቦታ:መቐለ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:30.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ሓሙስ ሕዳር 20, 2011 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: መለዋወጢ ኣቁሑት ተሸከርከርቲ/ ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር/ ካልኦት ዓይነት ፈርኒቸር/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ናይ ሕትመት ስራሕቲ/ ዕድጊት ሞተርሳይክል/

 1 ናይ 2011 ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዋናን ቅዳሕን ዘቀርብ፤

2 ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ዋናን ቅዳሕን ዘቀርብ ፣

3 መለለይ ቁፅሪ ከፋሊ ግብሪ ዋናን ቅደሕን ዘቅርብ

4 ሪፖርት ተወሳኺ እሴት ታክስ ናይ ወርሒ ጥቅምቲ 2011ዓ/ም  ዘለዎን ዋናን ቅዳሕን ዘቅርብ፤

5 ሰነድ ጨረታ ካብ 6/03/2011ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ 20/03/2011ዓ/ም ክወስድ ዝኽእል፤

6  ሰነድ ጨረታ 30.00 ቅርሺ ብምኽፋል ካብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ማእኸላይ ቤት ፍርዲ ከ/ስ/ዕ/ፋ/ምም/ር ንብረትን  ቢሮ ቁፅሪ 8 ክትወስዱ ትኽእሉ፤

7 ሳንዱቅ ጨረታ ዕለት 20/03/2011 ዓ/ም ሰዓት 4፡00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓሺጉ ተጫረቲ ወይ ደማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ በዚ ዕለት ሰዓት 4፡30 ይኽፈት።

8 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ፖስታ ኣብዚ ናይ ጨረታ መምርሒ ዝተቀመጠ ካልኦት ናይ ጨረታ  ግቡኣትን መረዳእታን ክሳብ ዘማልአ ካልእ ኣካል እንተዘተረኸበ ውን ፖስትኦም ኣብ ጨረታ ክኸፈት ይኽእል እዩ።

9 ጨረታ መኸበሪ ዘትሓዝዎ ከከም ዝተጫረትዎ መጠን ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ከትሕዘ ዝኽእል፤

10 ጨረታ ሰዓራይ ምስኾነ ድሕሪ 5ተ መዓልቲ ውዕሊ ክኣስር ዝኽእል ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያ ዘቀርብን እቲ ንብረት፣ ብናይ ባዕሉ ወፃኢ ዝገጥምን፤

11 ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነዚ ጨረታ ብክፋል ይኩን በሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0344-442541 ደዊከልካ ምሕታት ይከኣል።