https://tenders.milkta.com/ti/tenders/display/5270
ቤት ፍርዲ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ንዝተፈላለዩ ኣገልግሎት ዝውዕሉ ብዝተፈላለዩ ዘርፍታት ማለት ውን ሃለቅትን ቀወምትን ንብረታት ከም መሳርሒ ፅሕፈት፣ ኤሌክትሮኒክስ፣ ኣቅሑት ፅሬት ፣ ቢስክሌታት፣ ናውቲ ሕትመት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።
  • ዝወፀሉ መዓልቲ: ረቡዕ ሕዳር 12, 2011 (ልዕሊ 7 ዓመታት)
  • ዝዕፀወሉ መዓልቲ: ዓርቢ ሕዳር 28, 2011 04:00 ቅደሚ ሰዓት (ሓሊፉ)
  • ናይ ጨረታ መድሓዚ ዋጋ:00
  • ቦታ:ታሕታይ ኣድያቦ
  • ናይ ደኩመንት ዋጋ:30.00
  • ጨረታ ዝክፈተሉ መዓልቲን ሰዓትን: ዓርቢ ሕዳር 28, 2011 04:30 ቅደሚ ሰዓት
  • መደብ: ናይ ንፅህናን ፅሬት ኣቁሑት/ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሕታትን መለዋወጢን/ ናይ ፅሕፈት መሳሪሕታተት/ ናይ ሕትመት ኣቁሑትን/ ዕድጊት ሞተርሳይክል/

ስለዚ ነዞም ረቋሕታት እተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም።

1 ናይ 2010ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ክተማልኡ ትኽእሉ፤

2 ቲን ናምበር (መለለይ ቁፅሪ) ከፋላይ ግብሪ ወረቀት ምስክር ክተቅርቡ ትኽእሉ፤

3 ተወሳኺ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ ትኽእሉ፤

4 ናይ ወርሒ መስከረም 2011ዓ/ም ሒሳብ ዘወራረድኩምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ ትኽእሉ፤

5 ናይ 2010ዓ/ም ዝተሓደሰ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ክተቅርቡ ትኽእሉ፤

6 ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ንተኸታተልቲ 45 መዓልትታት ይኸውን።   

7 ተጫረቲ እትመልእዎም ዋጋ ተወሳኺ እሴት ታክስ ዝሓወሰ ክኸውን ይግባእ። ኣብቲ ሰነድ ዘየማልአ ተጫረቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ከምዝሓወሰ ተገይሩ እቲ ሰነድ ይውሰድ።

8 መወዳደሪ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ  ሽም፣ ኣድራሻ፣ ናይቲ ትካል ማህተምን ፊርማን ክህልዎ ይግባእ።

9 ተጫረቲ ዘይምለስ 30.00 ቅርሺ እናኸፈልኩም ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፍርዲ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ከተማ ሸራሮ ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋ/ምም/ር /ንብረትን ካብ 13/03/2011 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ 28/03/2011ዓ/ም ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት ካብ ንጉሆ ጀሚሩ ምውሳድ ይከአል።

10 እቲ ጨረታ 28/03/2011ዓ/ም ሰዓት 4:00 ናይ ንጉሆ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ኣብ ቤት ፍርዲ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ከተማ ሸራሮ ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋ/ምም/ር /ንብረትን ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ይኽፈት ይኹን ምበር ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ብዘይ ምህላዎም ከይተኸፈተ ዝፀንሐ ሰነድ ጨረታ ኣይህሉን።

11 ተጫረቲ መኸበሪ ውሕስና ጨረታ ንመሳርሒ ፅሕፈትን ኤሌክትሮኒክስን 4000.00 ቅርሺ፣ ኣቅሑት ፅሬት ፣ ቢስክሌታት፣ ናውቲ ሕትመት 2000.00 ቅርሺ፣ ሕጋዊ ውሕስና ካብ ዘለዎም ባንኪ ብሲፒኦ መኸበሪ ጨረታ ክተትሕዙ ኣለኩም።

12 ሰዓራይ ተጫረታይ ሰዓራይ ምዃኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ናይ ዝሰዓሮ ጠቅላላ ዋጋ 10% መኸበሪ ውዕሊ ብምትሓዝ ኣብ ውሽጢ ተኸታተልቲ 3ተ ናይ ስራሕ መዓልታት ብኣካል ቀሪቡ ውዕሊ ክኣሰር ኣለዎ።

13 ሰዓራይ ተጫራታይ ውዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ዝሰዓሮ ንብረት መሊኡ ኣብ ውሽጢ 10ተ ተከታታሊ ናይ ሰራሕ መዓልቲ ከቅርብ ዝኽእል፤

14 ተወዳደርቲ ዝሰዓርዎ ንብረት ብናይ ባዕሎም መጓዓዝያ ናብ ቤት ፍረዲ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ክገብሩ ኣለዎም።

15 እቲ ትካል ተጫረቲ ኣብ ዝሰዓርዎ ነብሲ ወከፍ ንብረት 20% ክውስኽን ክንኪን ይኽእል እዩ ።

16 እቲ ትካል ነቲ ጨረታ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንዝበለፀ ሓበሬታ 0345-500604/0919-005940